ኣምቦ —
ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ነቲ ምኽትል ሚንስተር ሰላም ዝነበረ ታየ ደንድኣ ዘቕረቦ ብዋሕስ ናይ ምፍታሕ መሰል ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ንዝሃቦ ውሳነ ኣፅኒዑዎ። ምኽትል ሚንስተር ሰላም ነበር ታየ ደንድኣ ሎሚ ረቡዕ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ንዝሓተትዎ ናይ ዋሕስ ሕቶ ቤት ፍርዲ ነጺግዎ'ሎ።
ኣቶ ታየ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ድሕሪ ምንቃፎም ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ይፍለጥ። ፖሊስ ንኢትዮጵያ ክህውኹ ዝዓለሙ ጉጅለታት ተሓባቢሮም ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ'ሎ።
ቅጥዒ