ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን እቶትን ጉምሩክን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኽሲ መስሪቱ


ፌደራል የሥነ-ምግባርና ፀረ-ሙስና ኮሚሽን
ፌደራል የሥነ-ምግባርና ፀረ-ሙስና ኮሚሽን
ላዕለዎት ሰበስልጣን ጉምርክን ሰብ ሃብትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ብኣማእቲ ሚሊዮናት ዝግመት ብር ጉድኣት ኣብፂሖም ክብል ዓቃቢ ሕጊ ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኢትዮጵያ ኽሲ መስሪቱ።ሓላፊ ደሕንነት ውሽጢ ሃገር ንዝነብሩ ንኣቶ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል እውን ብገበን ግዕዝይና ኸሲሱዎም ኣሎ።እቲ ቤት ፍርዲ ንኻልኦት ሰለስተ ተኸሰስቲ ብዋሕስ ሰዲዱዎም።

ዓቃቢ ሕጊ ኮምሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌደራል ኣብ ናይ ሎማዕንቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውዕሎ ኣብ ሰለስተ መዝገባት ካብ 40 ንዘይውሕዱ ተጠርጠርቲ ካብ ሓደ ምእቲ ንላዕሊ ዝተፈላለዩ ኽስታት ኣቕሪቡ’ሎ።

ተፈፂሞም ብዝተብሃሉ ዝተፈላለዩ ገበናት ግዕዝይና መንግስቲ ካብ 500 ሚሊዮን ብር ዘይውሕድ ገንዘብ ክስእን ከምዝተገበረ እቲ ኽሲ ይሕብር።

ብቀንድነት ዝተኸሰሱ ናይ ቀደም ሰበስልጣን እቶትን ጉምሩክን ዝነበሩ ኣቶ መላኩ ፈንታን ኣቶ ገብረዋህድ ወልድጊዮርግስን ብሰለስቲኦም መዝገባት ተኸሲሶም ኣለው።

ክልቲኦም ላዕለዎት ሓለፍትን ኣቶ በላቸው በየነ ዝተብሃሉ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ዳይሮክተሮት ዳይረክተርን ዝነበሩ ብዝቐረቦም ሓደ ክሲ ጥራሕ ካብ 22 ሚሊዮን ብር ንላዕሊ ናብ መንግስቲ ብግብሪ ንኸይኣቲ ገይሮም ይብል።

ኣቶ ገብረዋህድን ብዓል ቤቶም ኮለኔል ሃይማኖት ተስፋይን ምንጩ ዘይተፈለጠ ሃብቲ ብምእካብን ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ገበናት ግዕዝይናን ኸሲሱዎም ኣሎ።ክልተ ክላሽን ኮፍን ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ሽጉጣትን ምስ ዝተፈላልዩ ጠያይቲ ብዘይፍቓድ ሒዞም ብምርካቦም ኣቶ ገብረዋህድ ኽሲ ቀሪቡዎም ኣሎ።

ዋና ሓላፊ እቲ ብዓል ስልጣን ዝነበሩ ኣቶ መላኩ ፈንታ ብዝተፈላለዩ ናይ ግዕዝይና ገበናት ካብ ምኽሳሶም ብተወሳኺ ኣደ ሰለስተ ህፃናትን ብዓልቲ ሓዳር ንዝነበረትን ሰበይቲ ስልጣኖም ተጠቒሞም ሓዳራ ንኽተፍርስ ብምግባር ሰበይቶም ገይሮምዋ ክብል ስልጣን ብዘይኣገባብ ብምጥቃም ገበን ዓቃቢ ሕጊ ኸሲሱዎም ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓሉ ዝተገለፁ ሓላፊ ደሕንነት ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ኣቶ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል እውን ስልጣን ብዘይኣገባብ ናይ ምጥቃም ገበን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተኸሲሶም ኣለው።ካብቶም ኽስታት ሓደ ናይ መንግስቲ ቦታ ሓፂርካ ምሓዝ ዝብል ይርከቦ።

ኣብቲ ናይ ሎማዕንቲ መጋባእያ ናይ ዋሕስ መሰሎም ንክኽበረሎም ካብ ዝሓተቱ ሸውዓተ ተኸሰስቲ ሰልስቲኦም ብናይ 15 ሽሕ ዋሕስ ንኽፍትሑን ጉዳዮም ብደገ ኮይኖም ንኽከታተሉን ትእዛዝ ተዋሂቡ ክሳብ ሎሚ ዘይተትሓዙ እውን ንኽትሓዙ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ’ሎ።
ናይ ፌደራል ናይ ስነምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኮምሽን ኣብ ልዕሊ ብዓል ስልጣን ናይ ኢትዮጵያ እቶትን ጉምርክን ትኹረት ገይሩ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብርክት ንዝበሉ ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ምሓዙ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG