ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ምንስቴር ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ተኣሲሮም


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፈ ሒደት ማዕልታት ንሓደ ምንስቴር፣ንምኽትሎምን ንኻልኦት ሓለፍትን ብናይ ግዕዝይና ጥርጣረ ኣሲሩ።ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ብንስቴር ማዕረግ ዋና ዳይረክተር ብዓልስልጣን እቶትን ጉምርክን ኣቶ መልኣኩ ፈንታ፣ ምኽትሎም ኣቶ ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስ ከምኡ’ውን ካልኦት ሓለፍትን ፍሉጣት ነጋዶን እዮም።

ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ ምንስቴራት ክሳብ ታሕተዎት ሓልፍቲ፣ካብ ፍሉጣት ነጋዶ ክሳብ ተራ ሰራሕተኛታት ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው።
ብምንስቴር ማዕረግ ዋና ዳይረክተር ብዓለስልጣን እቶትን ግምሩክን ኣቶ መላኩ ፋንታ ኣብዝን ኣብ ካልኦትን ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ንነዊሕ እዋን ዝሰርሑ እዮም።ምኽትሎም ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርግስ እውን ኣብዚ ስልጣን እዚ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝወዓሉ ካልኦት ሓላፊ ናይ ቃልቲ ጉምርክ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደማሪያም፣ሓላፊ ምምሕዳር ዝተወረሱ ንብረታት ኣቶ ጥሩነህ በርታ፣ሓላፊ ናይ ናዝሬት ጉምሩክ ኣቶ ኣሞኘ ታገለን ካልኦትን ይርከቡዎም።ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ መንጎ ዝውዓሉ ፍሉጣት ነጋዶ ድማ ወናኒ ኢንተር ኮንቲኔታል ኣቶ ስማቸው ከበደ፣ወናኒ ኬይ ኬይ ትሬዲንግ ኣቶ ከተማ ከበደ፣ወናኒ ኩባኒያ ነፃ ትሬዲንግ ኣቶ ነጋ ገብረእግዚኣብሄርን ብዓል ሃፍቲ ኣቶ ምህረትኣብ ኣብርሃን ይጥቀሱ።

ካብ መንበሪ ገዛ ኣብ ቁፅፅር ዝውዓሉ ገል ሰበስልጣን ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ወፃኢ ሃገራትን ገንዘብ ምርካቡ ብመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ተገሊፁ’ሎ።

ብዓልቲ ቤት ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርግስ ዝኾና ኮሌነል ሃይማኖት ተስፋይ’ውን ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት ከህድማ ብምርካበን ትማሊ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒለን ኣለዋ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ሰበስልጣንን ነጋዶን መዓስን ብምንታይ ኣገባብን ኽትትል ከምዝተገበረሎም ዝርዝር መግለፂ ኣይተውሃበን።

ትማሊ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝዛዘመ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ ኣብቲ ጉዳይ ተዘራሪቡ እንተኾይኑ ዝተፈልጠ የለን።

ቪኦኤ ዘዘራረቦም ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብሕታዊ ወኪል ተቓዋሚ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ግን እቲ ስጉምቲ ብፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝተወሰደ ስጉምቲ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሰበስልጣን ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ክእሰሩ እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።

ኣብዚ ሎም ቅነ ዝተፈፀመ ማእሰርቲ ኣብ ውሽጢ ኣባል ውድባት ኢህወደግ ወይ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ዘሎ ኣፈላላይ ምኽንያት እንተኾይኑ ሪኢቱኦም ዝህቡ ሰባት ኣለው።

ኣባል ፓርላማ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ግን መልሶም ካሊእ እዩ።’’ ሎሚ ናብ ከምዚ ዘብፅሕ ዝተፈለየ ናይ ጉጅለታት ምስሕሓብ ከተኣናግድ ኣብ ዘኽእል ነጥቢ ኣይኮኑን ዘለውሉ።’’

እቶም ተጠርጠርቲ ሎማዕንቲ ሰኒ ንመጀመሪያ ግዜ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።ዝርዝር ዋና ኽሲ ግን ኣይተረኣየን።ቁፅር ተጠርጠርቲ’ውን ብመራኽቢ ብዙሃን ይቐርብ ካብዝነበረ ካብ 14 ናብ 24 ሰባት ምዕባዩ ኣብቲ ናይ ሎማዕንቲ ከይዲ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።
XS
SM
MD
LG