ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ስራሕቲ ህንፀት ኣብ ኢትዮዽያ ቁልፊ ግደ ኣለዎ‘ አርነስት ኤንድ ያንግ


ካብ ዝተሰርሑ ሓደስቲ ህንፃታትን ፅርግያን
ካብ ዝተሰርሑ ሓደስቲ ህንፃታትን ፅርግያን
ካብ መዲና ኢትዮዽያ ኣዲሳበባ ክሳብ ቤንሻንጉል ከምኡውን ክሳብ ኩለን ርእሰ-ከተማ ክልላት‘ታ ሃገር፣ዝሳለጡ ዘለው ገዘፍቲን ሰፋሕቲን ህንፀት መሰረተ-ልምዓት ብሕልፊ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ብዓይነቱን ብመጠኑን እናወሰኸ‘ዩ መፂኡ ዘሎ።

ካብ መንበሪ ኣባይቲ ክሳብ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ካብ ፅርግያታት ክሳብ መንገዲ ባቡር፣ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ መስርሕ ህንፀት ይካየዱ‘ለው ኣብ ኢትዮዽያ።እዚ ዝተጀመረ ከይዲ ከምዘየቋርፅ‘ዩ ዝገልፅ መንግስቲ ኢትዮዽያ።ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ኮንስትራክሽን ልምዓት ከተማን ኣባይቲን መደረ ዘስምዑ ላዕለዋይ መንግስታዊ ባዓል-ስልጣን ነዚ ኣባሃህላ‘ዚ ዘጠናኸረ‘ዩ።

እቶም ምንስትር ኣቶ መኩርያ ሃይለ ኣብ ዘረበኦም፣ህንፀት ኣባይቲ ነብሱ ኪኢሉ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ይፈጥር ከምዘሎን ተጠናኺሩ ከምዝቅፅልን ንቪኦኤ ጠቂሶም።

ኣብ ኣዲሳበባ ህንፀት ኣባይቲ ጥራሕ ኣይኮነን ዝካየድ ዘሎ።ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ህንፃታት፣ሆቴላት፣ፅርግያታት፣መንገዲ ባቡርን ካልኦትን ኣብ ሙሉእ‘ታ ከተማ ይሳለጡ‘ለው።አርነስት ኤንድ ያንግ ናይ ዝተባሃለ ትኻል ምኽሪ ሓላፊ ጨንፈር ኢትዮዽያ ኣቶ ወንድሜነህ ንጋቱ፣ህንፀት መሰረተ-ልምዓት ዓንዲ ሕቆ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር‘ዩ፣ትሕተ-ቅርፂ ዘይሃነፀት ሃገር ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ምዕይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢሎም።ኣብ ሙሉእ ኢትዮዽያ ዝራኣይ ዘሎ ስራሕቲ ህንፀት ጉድኣት የብሉን፣ኣዎንታዊ‘ዩ ይብሉ ኣቶ ዘመዴነህ።

ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ትምዕብል ዘላ ሃገር‘ያ።ኣብ መሰረተ ልምዓት ብሰፊሕ ክትዋፈር ኣለዋ።ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግና፣ካብ ኢድ መንግስቲ ወፂኡ ውልቀ ዘፈት ክዋፈሩሉ‘ዮም፣ወይካኣ ኣገዳሲ ኣይክኸውንን ኢሎም።
ስራሕቲ ህንፀት ኣብ ኢትዮዽያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG