ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ብዝተላዕለ ግጭት 6 ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ገሊፆም


ኣብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ኣብ መንጎ መስቃን ማሬቆን ዳግም ብዝተላዕለ ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። እቲ ግጭት ካብ 16 መስከረም 2016 ጀሚሩ ዝተላዕለ ክኸውን ከሎ ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ሓይልታት ምክልኻል እቲ ግጭት ጠጠው ንምባል ይፅዕሩ ከምዝነበሩ ሽሞም ክግለፀሎ ዘይደለዩ ነበርቲ ተዛሪቦም።

እቲ ግጭት ዳግም ዝተላዕለ ኣብ መንጎ መስቃን ቤተ ጉራጌን ብሄረሰብ ማሬቆን ብዝተላዕለ ናይ መንነት ሕቶ ምዃኑ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

በቲ ግጭት 80 ዝኾኑ መንበሪ ኣባይቲ ምቕጻሎምን ብውሑዱ ልዕሊ 2,000 ነበርቲ ናብ ካልኦት ቦታታት ምህዳሞም ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብ ሰበስልጣን ምላሽ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG