ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተልዓለ ግጭት 20 ሰባት ምማቶም መሰኻኽር ገሊፆም


Ramani ya eneo la Oromia Ethiopia
Ramani ya eneo la Oromia Ethiopia
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ወረዳ ነገሌ ቦረና ብዝተልዓለ ግጭት ልዕሊ 20 ሰባት ምማቶም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።

ካብ ቪኦኤ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ እቲ ግጭት ቅድሚ ሰለስተ ማዕልታት ከምዝተልዓለ ይሕብር።ወሃብቲ ሪኢቶ ምስ ናይ ባዕሎም ነገድ ወጊኖም ንዝበልዎም ኣምሓዳሪ ዞባ ጉጂ ‘’ነገሌ ቦረና’’ ተባሂሉ ይፅዋዕ ዝነበረ ሽም እቲ ወረዳ ‘’ቦረና’’ ንእትብል ቃል ኣብ ቀንዲ ከተማታት ካብዝተለጠፉ ፅሑፋትን ናይ መንግስቲ ማሕተምን ኣጥፊኦምዋ ይብሉ።

ጫላ ዝተብሃለ ናይ ዓይኒ ምስክር ቅድሚ እቲ ግጭት ምጅማሩ ነጌሌ ቦሮና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ይብል ከምዝነበረን ቦረና ዝብል ሽም ከምዝተፍሓቖን ይገልፅ።

ሽሙ ክግለፀሉ ዘየደለየ ካሊእ ነባሪ ነገሌ ቦረና መንቀሊ እቲ ውግእ ምቕያር ሽም ነገሌ ቦረና ምዃኑ ምስ ገለፀ ኣስዒቡ ‘’ዝቐየርዎ ዋና ኣማሓዳሪ ጉጂ ኣቶ ጋዳ ሮቤን ከንቲባ ከተማ ነገሌ ኣስቻለው ገብረመድህን እዮም’’ይብል።ክልል ኦሮሚያ መፂኡ እዚ ናይ ህዝቢ ከይኮአነስ ናትኩም ሕቶ ስለዝኾነ ነገሌ ቦረና ዝብል ሽም ናብዝነበሮ ምለሶ ኢሎም ትእዛዝ እንተሃቡ እውን ኦሮሚያ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣይቅበልን ከምዝበሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ቦረናን ጉጂን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ክልላውን ፌደራላውን ኣብያተ ፅሕፈት ጣልቃ ክኣትው ምሕፅንታ የቕርቡ ኣለው።

ብምሰረት እቶም ነበርቲ እቲ ግጭት ኣብ ማልካ-ጉባ፣ላጋ- ጉላ፣ዳካ ሙጓዩ፣ኣዳዲን ኣሉን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት እዩ እዩ ተላዒሉ።ሪኢቶ ኣማሓደርቲ ዞባን ከባቢን ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
XS
SM
MD
LG