ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ኣብ ዓመቱ፤ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ዓመት ዝተዓመ ስራሓት የመጕስ


ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ማሃማት - ፋይል
ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ማሃማት - ፋይል

ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ማሃማት፡ ሎሚ 1 ሕዳር 2023 ሓደ ዓመቱ ንዘቑጸረ ምፍራም ውዕል ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዛጊት ተገይሮም ንዘለዉ ኣተባብዕቲ ስጕምታት ንኢዱ። እቲ ኮሚሽነር ንብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ውድብ ህወሓትን ንነባሪ ስቕታ ብረት ብዘርኣዩዎ ተበግሶን ምትግባር እቲ ስምምዕን መጒሱ።

እቲ ኮሚሽነር ኣስዒቡ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ “ንኣፍሪቃዊ ሽግራት፡ ኣፍሪቃዊ መፍትሒታት” ኣብ ዝብል መትከል፡ በበይኖም መንግስታትን ውድባትን ነቲ ኲናት ኣብ ምዕራፍ ንዝተጻወቱዎ ኣወንታዊ ተራ ንኢዱ።

ኮሚሽነር ሙሳ ኣብ መወዳእታ፡ ዛጊት ተገይሮም ብዘለዉ ከምእኒ ምርካብ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ፡ ምቛም ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት ምዕባለታትን መርኣያ ናይቲ ትስፉው ወገናት ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ክልል ትግራይን ካልእ ወገናት ኢትዮጵያን ዘላቒ ሰላም ምስፋን ንምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸሉ ብምዃኑ፡ ኵላቶም ኣካላት ንነባሪ ሰላም እቲ ዞባ ክሰርሑ ጸዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG