ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ረኺባቶ ዘይትፈልጥ ዝለዓለ ምህርቲ ቡን ክትሓፍስ እያ ተባሂሉ


ኢትዮጵያ ኣብ 2015 2016 / ዘበን ምህርቲ ቅድሚ ሎም ረኺባቶ ዘይትፈልጥ ዝለዓለ ምህርቲ ቡን ከም እትሓፍስ ተገሊፁ።ብናይ ኣሜሪካ ማሕበር ስፔሻሊቲ ቡን ኣፍልጦ ብምርካብ እውን ፈላመይቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ኮይናላ።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዓለምለኸ ረድኤት ልምዓት/USAID/ 17 ሽሕ ሓረስቶ ቡን ስልጠና ምሃቡ እውን ተገሊፁሎ።

መቦቀል ቡን ምዃና ዝእመነላ ኢትዮጵያ ኣብ 2015 2016 / ዘመን ምህርቲ 6.51 ሚሊዮን ኩንታል ቡን ክትሓፍ እያ ይብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣግሪ ማኒ ዳት ኮም ዝተብሃለ ድህ-ረገፅ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ብምጥቓስ።

እዚ ፍሪያት እዚ ቅድሚ ሎሚ ካብዝተሓፍሰ ምህርቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊፁሎ።ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ዕላዊ መግለፂ የለን።

ኣብ ዘፈር ሕርሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ቡን ብምድጋፍ ኣብ ዝፍለጥ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ቤት ፅሕፈት USAID ሓላፊ ስግግር ቁጠባዊ ዕብየት ዝኾኑ ጋሪ ሮቢንስ ንወሰኽ ምህርቲ ምኽንያት ዝበሉዎም ኩነታት ኣየር፣ኣብ ምህርቲ ዝተኣታተው ሓደሽቲ ኣገባባትን፣ሓደሽቲ ዓይነት ዘርእን ሓደሽቲ ናይ ቡን ተኽልታትን ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG