ሃዋሳ —
ካብ ሃዋሳ ማእከል ምርምር ጽሬትን መረጋገጺ ፍርያትን ኣብ ኣገልግሎት ምሃብ ብዘጋጥሙ ፀገማት፡ ምህርቲ ቡን ኣብ እዋኑ ናብ ማእከላዊ ዕዳጋ ክበፅሕ ኣይከኣለን ክብሉ ወከልቲ ኣቕረብቲ ቡንን መራሕቲ መኻይንን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምብራቃዊ ክፍለ ከተማ ዝርከብ በዓል-መዚ ፍርያት ቡንን ሻሂን እቲ ጸገም ዝተፈጥረ ናብቲ ማእከል ዝኣትው መጠን ፍርያትን እቲ ማእከል ዘለዎ ዓቕሚን ብዘይ ምትእኽኻሉ'ዩ ክብል ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሕርሻ ክልል ሲዳማ ብወገኑ እቲ ጸገም ከምዘሎ ብምእማን እቲ ማእከል ንዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ግምት ዘእተወ ቦታ ንምድላው ይጽዕር ምህላው ገሊጹ።
እቶም ወከልቲ ኣቕረብቲ ቡን ፍርያቶም ናብ ማእከላዊ ዕዳጋ ክበፅሓሉ ኣብ ዝግባእ ጊዜ ብዘይምብጽሑ ብተወሳኺ እቲ ቦታ ጉድለት ጽሬት ስለዘለዎ ኣብ ምህርትታቶም ምትሓት ጀረጃ የጋጥም ምህላው ይጠርዑ።
ቅጥዒ