ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሙስሊም ኣብ ዝዕብልልዎ ከባቢ ጅማ ኣብያተ-ክርስትያናት ነዲዱ


ብርክት ዝበሉ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሮም ናይ ክርስትያን ዓንዲ ኢንተርኔታት ፅንፈኛታት ሙስሊም ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ ጥቃ ከተማ ጅማ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ- ክርስትያናት ኣንዲዶም ክብሉ ሓቢሮም።

እቶም ዓንዲ ኢንተርኔታት ንኣባላት ሓደ ቤት-ክርስትያን'ቲ ከባቢ ብምጥቃስ 4-ሽሕ ክርስትያን ብፍርሂ ኣባይቶም ሓዲጎም ከም ዝሃደሙን ብውሑዱ ሓደ ሰብ ኣብ አሰንዳቦ ከምዝተቀትለን ምዝራቦም ሓቢሮም።

ብዛዕባ'ቲ ፍፃመ ብዙሕ ዝርዝር ዘይብሎም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ አቶ ሽመልሽ ከማል ግን ብቴሌፎን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ ፖሊስ ሓያለ ተጠርጠርቲ ተአሲሮም'ለው ኢሎም።

ኣቀባሊ ዜና ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ፒተር ሃይንለይን ከምዝሓበሮ ኣብቲ ሙስሊምን ክርስትያንን ንወለዶታት ብሓባር ተወሃሂዶም ዝነበርሉ ዞባ ውጥረት ይፈልሕ'ሎ።

XS
SM
MD
LG