ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሐ ጽልሚ ኣብ በዓላት ልደት ተተኩር


ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሕሩድ ብመጠኑ ኒሂሩ ከምዝወዓለ ሰናይት ሃብቱ ትሕብር

ባዓል ልደት ኣብ ኢትዮዽያ ንፆመ ነብያት ስዒቡ ይመፅእ። ልደትን ጥምቀትን ጌታ እየሱስ ክርስቶስ ልዑል ክብሪ ስለዝግበኦ ዓርበሮብዕ እንተውዒሉ ጋሃድ (ኣብ ድሮ ) ይፅወም ካውኡ ዋላ ዓርብን ሮብዕን ይውዓል ለይቲ ተቐዲሱ ፆም ይፍታሕ።

ኣብ መቐለ እንዳ ምችኣል ዝርከቡ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ ክሳብ 451 ዓ/ም ህዝቢ ዓለም ለደተ እየሱስ ማዕረ ታሕሳስ 29 የኽብር ምንባሩ ይጠቕሱ።

“ኣውሮዻውያን ወይ ድማ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ዝኽተሉ ሃገራት ፍልስፍናዊ ኣካይዳ ኣከባብራ ልደት እዮም ዝኽተሉ። ንፃሓይ፣ ወርሒን ኮባኹብቲን ኣተኣኻኺቦም 8 ዓመት ተረፍ ተረኺቡ እዩ ብምባል 8 ዓመት ክውሰኽ ኣለዎ ኢላቶም ይኣምኑ። ብፍላይ ድዮናስዮስ ዝተባሃለ ካቶሊካዊ ፈላሲ ጌታ ብ 5492 እዩ ተወሊዱ ኢሉ ይኣምን። ቅድሚ ልደት 8 ዓመት ማለት እዩ” ይብሉ ኣቦና ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ።

ብ1480 ድማ ጎርግርዮስ ዝተባሃለ ካቶሎካዊ ሊቀ ዻዻስ ቅድሚኡ ናይ ዝነበሩ ሓሳባት ኣፅዲቑን ናቱ ወሲኹን እቲ ዓመተ ምሕረት 8 ካምዝውሰኾ ፈላሚ ዓመተ ወርሒ ድማ ጥሪ ክምዝኸውን ገበረ። ዻጉሜን እውን ኣብ ኩሎም ኣዋርሕ ተሰባጢሩ ክኣቱ ወሰነ። በዚ ድማ ብኣቆፃጽራ ጎርጎርዮስ ይባሃል ብመሰረት መብርሂ እቶም ኣቦ።

“ንሕና ግና ኣይለውጥናን። ናትና ፍልስፍናዊ ኣይኮነን ወይ ድማ ናይ ምናልባት ኣይኮነን። መፅሓፍ ቅዱሳዊ እዩ። ካብ ኣዳም ክሳብ ልደተ እየሱስ ክርስቶስ 5500 ዓመት ከምዘሎ መፅሓፍ ቅዱስ ይነግረና” ብምባል መረጋገፂ ይህቡ።

ብኻልእ ገፅ ኣብ ኢትዮዽያ ባዓል ልደት ኣብ ዘመነ ማርቆስ፣ ማትያስን ሉቃስን ታሕሳስ 29 ይውዕል። ኣብ ዘመነ ዮሃንስ ድማ 28 ከምዝውዕል ሊቀ ሊቃውንቲ ብመረዳእታ ኣደጊፎም ይገልፁ።

ንኣብነት ዝመፅእ ዘሎ ዓመት ራብዓይ ዓመት እዩ ዘመነ ዮሃንስ። ስለዚ ልደት 28 መዓልቲ ቀዳም ክውዕል እዩ። ምክንያቱ ትመፅእ ዘላ ዻጉሜን 6 መዓልቲ ስለዝኾነት ሓንቲ መዓልቲ ዘሊላ ቀዳም ትውዕል ኣላ ማለት እዩ። ብምባል የረድኡ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካዓ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ዝተጠነሰሉ ከም ኩሉ ሰብ ኣብ ትሻዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን እዩ። ስለዚ ዻጉሜን 6 መዓልቲ ክኸውን እንተሎ እቲ መዓልቲ ልደቱ ምእንቲ ከይፋለስ ታሕሳስ 29 ዝነበረ ሓደ መዓልቲ ነኪና ልደቱ ኣብ ዘመነ ዮሃንስ ኣብ መዓልቱ 28 ነኽብሮ።

ኮይኑ ግና ውሱናት ሰባት ወትሩ ኣብ ታሕሳስ 29 ክውዕል ኣለዎ ዝብሉ ኣለዉ ዕለተ ውልደት ጌታና ክልወጥ የብሉን ዝብሉታ ኣለዉ ይብሉ ሊቀ ሊቃውንቲ። ይኹን እምበር ዝበዝሑ ኣመንትን ሊቃውንትን ጌታ ለይቲ ካብ ሰዓት 9-10 እዩ ተወሊዱ ልደትን ጥምቀትን ለይቲ ኢና ነኽብር መዓልቱ ክፋለስ የብሉን ኢሎም ከምዝኣምኑ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG