ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ትሕቲ 5ተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ነኪዩ ይብል ሓደ መፅናዕቲ


አብ ኢትዮጵያ ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ነክዩ ክብል ሓደ መባእታዊ መፅናዕቲ አርእዩ'ሎ።

እቲ ናይ 2011 ዓ.ም መባእታዊ መፅናዕቲ ከም ዘርእዮ ካብ ዝውለዱ ሓደ ሽሕ ህፃናት እቶም 88 ህፃናት ሓሙሽተ ዓመት ከይመልኦም ይሞቱ። ኣብ 1990 ዓ.ም ብዝነበረ ግምታት ካብ ሓደ ሽሕ ዝውለዱ ህፃናት 217 ህፃናት ሓሙሽተ ዓመት ከይመልኦም'ዮም ዝሞቱ ኔሮም።

ብመሰረት'ቲ ኣብ 2000 ዓ.ም ዝተገብረ መፅናዕቲ ካብ ሓደ ሽሕ ዝውለዱ ህፃናት እቶም 166 ይሞቱ ከም ዝነበሩ'ዩ ዘርኢ ኔሩ፣ ኣብ 2005 ዓ.ም ዝተገብረ መፅናዕቲ ኸአ ናብ 123 ምንካዩ'ዩ አርእዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ናይ 2011 ዓ.ም መባእታዊ መፅናዕቲ ድማ ናብ 88 ከም ዝወረደ አርእዩ'ሎ ክብላ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ተፀዋዒት ጉዳያት ጥዕና ህፃናትን አዴታትን ዶ/ር ንግስት ተስፋየ ገሊፀን።

ዶ/ር ንግስቲ ተስፋየ ብተወሳኺ ክሳብ 2015 ዓ.ም ናብ 62 ክነብፅሖ'ዩ እቲ ዘለና ውጥን ክብላ ገሊፀን።

ንሙሉእ'ቲ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG