ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብፍቓደን ካብ መዝነተን ለቒቐን


ፋይል
ፋይል

ሓላፊት ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኮይነን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ከገልግላ ዝጸንሓ ወ/ት ብርቱኳን ሚደቅሳ በገዛእ ፍቓደን ካብ መዝነተን ምልቃቐን ሎሚ ሶኑይ 26 ሰነ 2023 ኣፍሊጠን።

ንሰን ንውሳነኣን ብወግዒ ኣብ ዘፍለጣሉ እዋን "ጥዕናይ ብዝግባእ ንምሕላው ነዊሕ ዕረፍቲ ስለዘድልየኒ ካብ 1 ነሓሰ 2015 ጀሚረ ካብ ሓላፍነተይ ብድልየተይ ምልቃቐይ ንኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጠ ኣለኹ" ኢለን።

ወ/ት ብርቱካን ሓቢረንኦም ንዝሰርሑ መሳርሕተን ብምምስጋን ብፍላይ ድማ ስርሓን ዝተማልአ ክኸውን ዝሓግዝአን ህርኩታት ናይቲ ቦርድ ኣባላት ደቂ ኣንስትዮ ንኢደን።

ነቲ ቦርድ ንክመርሓ ንዝሓጹየን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን እውን ኣመስጊነን ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG