ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዞባ ኣርሲ ንተፀበይቲ ረድኤት ተባፅሕ ኣላ


ቁፅሪ ተፀበይቲ ዞባ ኣርሲ ይውስኽ‘ኳ እንተሃለወ፣ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ እናቀረበ ምኻኑ ኣብ ምዕዳል መግቢ ዝተዋፈረ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣፍሊጡ።

ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያን USAIDን ብምትሕብባር ኣብ ምዕራብ ኣሩሲ፣ሓገዝ ንተፀበይቲ ዘባፅሕ ትካል‘ዩ።ነዚ ረድኤት ዘከፋፍል ድማ ትካል ረድኤት ዞባ ካቶሊክ መቂ’ዩ።ኣተሓባባሪ ልምዓት‘ቲ ትካል ኣቶ ሰለሞን ከበደ።

”ኣብ ክልተ ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ንሰርሕ‘ለና።እቲ ቀዳማይ ወረዳ ሻላ‘ዩ።እቲ ካልኣይ ወረዳ ኣርሲ ነገሌ’ዩ።ኣብ‘ዚ ወረዳ‘ዚ ቅድም ዝነበረ በዝሒ ተፀባዪ ኣስታት 23 ሽሕ ነይሩ።ሎሚ ግን ናብ 30,250 ንሂሩ‘ሎ።ካልእ ወረዳ ሴይር ዝባሃል‘ውን ኣለና።ን6,800 ህዝቢ ንሕግዝ ኣለና ኢሎም”።

ኣቶ ሰለሞን ከበደ፣ገለ ተሓገዝቲ ደንጉዩ ሓገዝ ክቅበሉ ከምዝኽእሉ ተነጊሩና ኢሎም የማርሩ‘ዮም እሞ ብዛዕባ ረድኤት ምብፃሕ ዝጅምረሉ ጊዜ ዝንፀረሉ ጊዜ ንከብርሁ ንዝቀረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለው፣እቲ ኣሃዝ ካብ‘ቲ ዝፀንሓሉ ስለዝወሰኸ፣እቶም ቅሬታ ዘስምዑ ሰባት ካብ ሞንጎ‘ቶም ዳሓር ዝተፀውዑ ክኾኑ ይኽእሉ‘ዮም፣ነቶም ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ረድኤት ዝቅበሉ ግና ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣርባዕተ ዙር ሓገዝ ኣበርኪትናሎም ኢና ኢሎም።ቁፅሪ ተሓገዝቲ ካብ ሸሞንተ ሽሕ ናብ ኣስታት ኣርባዓ ሽሕ ክብ ዝበለሉ ምኽንያት‘ውን እዚ‘ዩ ይብሉ ኣቶ ሰለሞን ከበደ።ምኽንያቱ ተሓቲቶም ዝሃብዎ መብርሂ ኣሎ።

”ብቀረባ ምክትታል የድልዮም‘ዩ ተባሂሎም ዝፍለዩ ሰባት ኣለው።ብመሰረት ቅድመ-ትንበያ፣ኣብ ኢዶም ዝነበረ እኽሊ እንተተወዲኡዎም ናብ ተቀበልቲ ረድኤት ዝብል ምድብ‘ዮም ዝኣትው።ስለዚ ካብ ቀረባ ምክትታል ዝግበረሉ ናብ ተሓገዝቲ ምድብ ክኣትው ከለው‘ዩ እቲ ኣሃዝ ዝቅየር ማለት‘ዩ” ይብሉ ኣቶ ሰለሞን።

ተሓገዝቲ ኣበየ ወረዳን ቀበሌን ዝልለዩ‘ኳ እንተኾኑ፣ትካሎም‘ውን ሪኢቶ ከምዝህብ ኣቶ ሰለሞን ከበደ ገሊፆም።ሓደ ሰብ ኩነታቱ ክግምገም ከሎ፣ ደረጃ ውሕስነት መግቡ ክሳዕ ክንደይ‘ዩ ዝብል መስፈሪ ኣብ ግምት ከምዝኣትውን፣ትካሎም ምስ ወረዳን ቀበሌን ዘሊቁ ብምውራድ ከምዝሳተፍን ሓቢሮም።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ናብ ባዕላ ተቆፃፀርቲ ከምዘለውዋ ዝገልፁ ኣቶ ሰለሞን ከበደ፣ንኩነታት ረድኤት ኩሉ-ሻዕ ከምዝግምግም’ውን ጠቂሶም ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG