ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቃውምቲ ፓርቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተገብረ ናይ ዋጋ ተመን ንቃወሞ ይብሉ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ኣቁሑት ዘውፅኦ ናይ ዋጋ ተመን ንናህሪ ዋጋን ክብሪ ናብራን ብዘላቂ ዝፈትሕ ኣይኮነን ክብሉ መራሕቲ ተቃውምቲ ፓርቲ ተዛሪቦም። ነቲ ዝተገብረ ናይ ዋጋ ተመን ከምዘይድግፍዎ’ውን ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብመሰረት’ቲ ዓሚ ዝወፀ ኣዋጃት ንተግባራዊነት’ቲ ናይ ዋጋ ተመን ይዓይ ከምዘሎ ይገልፅ’ሎ።

መንግስቲ ጌርዎ ዘሎ ተመን ዋጋ ንስርዓት ናፃ ዕዳጋ ኣብ ሓደጋ ዝእቱ’ዩ ክብሉ ኣቦ-መንበር ተቃዋሚ ፓርቲ ኢዴፓ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ተዛሪቦም።

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሃድነት መድረኽ ኣቦ-መንበር አቶ ገብሩ ኣስራት ብወገኖም ነቲ ናይ ዋጋ ተመን ተቃዊሞሞ’ለው። ቀንዲ ምንጪ’ቲ ፀገም መንግስቲ ዝስዕቦ ፖሊሲ ኢኮኖሚ’ዩ በሃሊ’ዮም።

XS
SM
MD
LG