ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ይካየዱ ዘለዉ ግጭታት ብሰላም ንኽፍትሑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፀዊዖም


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ታሕሳስ 10 ንዝዝኸር ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘውፅኡዎም መግለፅታት ቀንዲ መንቀሊታት መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ግጭታት ብሰላማዊ መገዲ ክፍትሑ መንግስቲ መሪሕ ተርኡ ከበርክት ኣተሓሳሲቦም።

ብኻልእ ወገን "ናይ ኲናት ከበሮ ኣብ ዝወቓዕናሉ ኣደባባይ ዜጋታት ብሰላማዊ ሰልፊ ኣቢሎም ንኲናት ንምቅዋም ዘቕረብዎ ሕቶ ምኽልካልና ሕማቕ ትርጉም ኣለዎ’’ ክብሉ ምክትል ሚንስተር ሰላም ኢትዮጵያ ኣቶ ታየ ደንድኣ ትማሊ ሰንበት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ምትራፉ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ነቐፌታኦም ኣቕሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሽርካ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተፈፂሙ ንዝበሉዎ ቅትለት ኮኒኖም።

ኣብ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኣካላት ካብ ግጭትን ኲናት ንሕድሕድ ምጥፍፋእን ወፂኦም ንልዝብን ምኽክርን ቀዳምነት ክህቡ ብፅኑዕ ንሓትት ዝበለ እቲ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ምእመናንን ትካላትን ይፍፀሙ ዘለው ንዝበልዎም መጥቓዕትታት ብህፁፅ ደው ክብሉን መንግስትን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ውሕስና ክህቡ ፈፀምቲ ገበናት ድማ ንፍርዲ ይቕረቡ ክብል ሓቲቱ።

ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ መንግስቲ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰመረን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG