ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃገራዊ መድረኽ ክዳሎ ፀዊዐን


ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰላም፡ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሰርሓ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፡ ኣብዚ ዓመት ብዝተወልዑ ፖለቲካዊ ጎንፅታትን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዘጋጠሙ መጥቃዕትታትን ልዕሊ 5,900 ሰባት ከም ዝሞቱ ሎሚ ረቡዕ 6 መስከረም 2023 ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለፂ ኣመልኪተን። ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ጎንፅታት ከም ዝተረኣዩ ዘመልከተ እቲ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝበፅሕ ዘሎ ምግልታዕን ማእሰርትን’ውን ካብቶም ኣብቲ ዓመታዊ ገምጋሙ ዝረኣዮም ፍሉያት ኣሰከፍቲ ተርእዮ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

እቲ ፀገማትን ጎንፅታትን ናብ ዝቕፅል ዓመት ከይቅፅል ዘለዎ ስክፍታ ዘቐመጠ እቲ ጥርናፈ ማሕበራት፡ ካብ ክልላት ክሳብ ጣብያ ዝወርድ፡ ኵሉ-ሓቆፍ መድረኻት ዘተን ዕርቂን ክዳለው'ውን ጻውዒት ቀሪቡ። ንስምምዕ ምቍራፅ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ከም መርኣያ ጽቡቕ ኣብነት ዝጠቐሰ መግለፂ እተን ማሕበራት፡ ብዅላቶም ኣካላት ድልየት እንተልዩ ተመሳሳሊ ተበግሶ ኣብተን ጎንፂ ዝርኣየለን ዘሎ ክልላት እሮሚያ፡ ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉል-ጉመዝን ጋምቤላን ክካየድ ድማ እተን ትካላት ፀዊዖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG