ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፥ ብሰንኪ ግጭት ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ዞባ ስልጤ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ይሓቱ


ካብ ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ስልጤ ከተማ ቅበት ተፈናቒሎም ናብ ዞባ ጉራጌ ከተማ ቡታ ዛጅራ ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተፈናቐልቲ ናብ መንበሪና ምለሱና ይብሉ`ለዉ።

ካብ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ኮነ ካብ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ዝተረኽበ ምላሽ ግን የለን። ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ሃገረ-ስብከት ስልጤን ሃዲያን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዝኾኑ ቀሲስ ንጉሰ ኣወቀ ግን እቲ ዝተፈጥረ ግጭት ብናይ ስልጤ ባህላዊ ስርዓተን ልምዲን ንምፍትሑ ጻዕሪ ይግበር ከምዘየለ ይሕብሩ።

እቲ ንምፍንቓል ጠንቂ ዝኾነ ጸገም ንምፍታሕ ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ መንግስቲ እንተተራዕና`ኳ፡ 100 ኣብያተ-ክርስትያናት ምቅጻለንን ሕጂ`ውን ሰባት ስግኣት ሓዲርዎም ይሃድሙ እዮም ዘለዉ ክብሉ ቀሲስ ንጉሰ ኣወቀ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

በቲ ሃይማኖታዊ ጸግዒ ዝሓዘ ግጭት ሞትን መቑሰልትን ምስዓቡ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG