ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ ልዕሊ 2% ሕጽረት ባጀት ከጋጥማ’ዩ፡” ሚ/ፋይናንስ


 ሚኒስተር ፋይንናስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሸዴ
ሚኒስተር ፋይንናስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሸዴ

ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ብቁጠባዊ ዝሕታለ ኣብ እትሳቐ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ ፊስካላዊ ዓመት ናይ 2.1% ሕጽረት ባጀት ከጋጥማ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይንናስ እታ ሃገር ኣሕመድ ሸዴ ገሊጹ።

ኣብዚ ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጅምር ፊስካላዊ ግዜ ግን እታ ሃገር ናይ 8.4% ዕብየት ከተርኢ ትጽቢት ከም ዝግበር እቲ ሚኒስተር ፋይናንስ ወሲኹ ገሊጹ። ሮይተርስ ንሚኒስተር ኣሕመድ ሸዴ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ እቲ ተወጢኑ ዘሎ ቍጠባዊ ዕብየት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ ብ1.5% ዝውስኽ ምዃኑ’ዩ።

እቲ ሚኒስተር ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓያሎ ቍጠባዊ ማሕንቖታት ከም ዘጓነፉዋ ብምግላጽ፡ ንዓመተ 2024/25 ግን ናይ 971 ቢልዮን ብር ወይ ድማ 17 ቢልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዑ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ካብ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት ኣልቃሕቲ ኣካልትን ተሪር ጸቕጢ ዝገጥማ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ መጠን ሸርፊ ብር ኣብ ክንዲ ምውሳን ብዘሎ ዕዳጋ ከተኺዶ ደጋጊማ ክትሕትት ጸኒሓ’ያ። ንሱ ምስ እትገብር ድማ ነቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ከቢድ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ልቓሕ ኣብ ምርካብ ተኽእሎኣ ከም ዝዓቢ ሮይተርስ ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG