ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በጀት ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ 138 ቢሊዮን ብር ዝፅጋዕ ንክኸውን ተሓቲቱ


ዝተመዝገበ ዕብየት ንምሕላውን ኣብ ኩሎም ዘፈራት ልምዓት ዝለዓለ ውፅኢት ንምምዝጋብን ዝተዳለወ በጀት እዩ

ናይ ዝቕፅል ዓመት በጀት ዴደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ 138 ቢሊዮን ብር ዝፅጋዕ ንክኸውን ምንስቴር ገንዘብ እታ ሃገር ንፓርላማ ሓቲቶም።ኣብታ ሃገር ንዝርአ ምንጪ ህፁፅ ልምዓት እታ ሃገር ፓሊሲ መንግስቶም ብምልኡ ህዝቢ ተቐባልነት ስለዘለዎ እዩ ንዝበልዎ ብሕታዊ ኣባል ፓርላማ ተቓዋሚ ነቲ ኣብሃህላ ተቓዊሞምዎ።

ምስንቴር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድ ሕቶ በጀት ንፓርላማ ከቕርቡ እንተለው ናይ ዝቕፅል 2005 ዓ/ም በጀት መሰረቱ ካብ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ ዝተሓንፀፀ ናይ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትልሚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ናይ በጀት ትልሚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገበ ዕብየት ንምሕላውን ኣብ ኩሎም ዘፈራት ልምዓት ዝለዓለ ውፅኢት ንምምዝጋብን ዝተዳለወ በጀት እዩ ኢሎም።

ቀዳምነት ዝተውሃቦም ሕርሻን ልምዓት ገጠርን፡ልምዓት ኢንዱስትሪ፡መሰረተ ልምዓት ቁጠባን ማሕበራዊ ልምዓትን ምዃኖም ገሊፆም።ብሓፈሻ 137 ቢሊዮንን 836 ሚሊዮንን 47,105ን ብር ከምዝቐረበ ሓቢሮም።

ምንጪ እቲ ብጀት እውን ውሽጣዊ ፋይናንሳዊ እቶት ከምዝኾነ ከምዚ ኢሎም ‘’ናይ 2005 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ፌደራል መንግስቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ምንጪ ብፅሒት 92 ሚእታዊ ዝበፅሐ እንተኸውን እቲ በጀት ካብዝኾነ ይኹን እዋን ብዝዓበየ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍልፍል ፋይናንስ ዝተመስረተ እዩ።’’

ትፅቢት ዝግበረሉ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት እውን ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ከምዘይፍለ ዝሓበሩ እቶም ምንስቴር ገንዘብ ነገር ግን ካብ 2003 ዓ/ም ጀሚሩ ይርአ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ነቲ ዕብየት ፈተና ምዃኑ ኣይከሓዱን።ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 11.1 ሚእታዊ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት ክምዝገብ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ ሸሞንተ ዓመታት ዘይተቛረፀ ህፁፅ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ ምንስቴር ገንዘብ ናይዚ ፍልፍል ናይ መንግስቶም ቁጠባዊ ፖሊሲ ብምሉእ ህዝቢ ተቐባልነት ስለዝረኸበ እዩ ኢሎም።

ኣብ ፓርላማ ብሕታዊ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ግን ነዚ ከምዘይቕበልዎ ምስ ምኽንያቶም ሓቢሮም።’’ብምሉእ እምነት ተቐባልነት ንዝብል ኣነ ኣይተቐበልኩዎን።ምሉእ ንምዃን ኣነን ናተይ ደገፍትን ፖሊሲ መንግስቲ ትኽክል ኣይኮነን ኢልና ኢና እንማጎቶ።

እዚ ረቂቕ ናይ በጀት ሕቶ ናብ ዝምልከቶ ናይ ፓርላማ ቀዋሚ ኮምቴ ከምዝምራሕን ቀፃሊ ክርክር ምስተገበረሉ እቲ ፓርላማ ከምዝፅድቖን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG