ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለምለኸ ቦንድ ኢትዮጵያ እጀታ ዘለዎ ሓደ ጉጅለ መንግስቲ ንዘትሓዝዎ ገንዘብ ከጉድሎ'የ ምባሉ ይቃወሙ


ኣዲስ ኣበባ- ፋይል
ኣዲስ ኣበባ- ፋይል

ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ናይ ሓደ ቢልዮን ዓለምለኻዊ ቦንድ ፤ እጀታ ዘለዎም ሓደ ጉጅለ ወጻኢ፡ መንግስቲ ነቲ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ብ20% ከጉድሎ'የ ምባሉ ከም ዘጉሃዮም ገሊጾም። እዞም ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቦንድ ዝዓደጉ ወገናት ነዚ ቅሬታ ዘስምዑ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝሸጠሎም ናይ ሓደ ቢልየን ዶላር ቦንድ ናብ 800 ሚልዮን ከውርዶ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ`ዩ። እዞም ቦንድ ዝዓደጉ ጉጅለ እዚ ምስቲ ስምምዕ ዝሳነ ኣይኮነን ይብሉ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘለዋ እንኮ ኣህጉራዊ ቦንድ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ውዕል ምኽባር ምስኣናን ድሕሪኡ'ውን ንምትዕርራዩ ከም ዘይዘየድመዓትን ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

ኣብቲ ቦንድ ልዕሊ 40% ዝውንኑ ኣለቃሕቲ ሕጂ ግልጽነት ክህሉን ዝኾነ ዝግበር ለውጢ ድማ ምስ`ቶም ኣለቃሕቲ ብምምኽኻር ክኸውን ከም ዘለዎን የተሓሳስቡ`ለዉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ሓዲሽ ናይ 3.4 ቢልየን ዶላር ፋይናንሳዊ ፕሮግራም ስምምዕ ጌራ`ያ። ብመሰረት ዓለምለኸ ማእከን ገንዘብ (ኣይ፡ኤም፡ኤፍ) እቲ ለቓሕ በብርብዒ እናተገምገመ ዝወሃብ`ዩ። ኢትዮጵያ ንዓመታት ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ክትሳቐ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG