ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝጠሓለት ጀልባ 13 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ከባቢያዊ ሰበስልጣን ክልል ደቡባዊ ኢትዮጵያ 17 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዞባ ጋሞ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ፅዒና ኣብ ቀላይ ጫሞ ካብ ዝጠሓለት ጀልባ ዝሞቱ 13 ሰባት ናይቶም 12 ሬሳ ምርካቦም ገሊፆም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ከባብያዊ ሰበ-ስልጣን እቲ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ እታ ጀልባ 16 ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረት ሓቢሮም። ሽዑ ንሽዑ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ሰለስተ ሰባት ምድሓኖምን እቶም ተጉዓዝቲ ድማ "መዓልታዊ ሰራሕተኛታት’’ ምዃኖም ተገሊጹ'ሎ።

ንድምጺ ኣመሪካ ቃሎም ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ረታ ተክሉ እታ ጀልባ ካብ ኣቡሎ ኣርፊቾ ናብ ኣርባምንጭ ተጉዓዝ ነይራ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG