ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኣካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ሰልፊ ክነካይድ ኢና ይብሉ ኣለው


Addis Ababa - City Council
Addis Ababa - City Council
ናይ ኢትዮጵያ ሰማያዊ ፓርቲ ዝቕፅል ሰንበት 26 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ሰልፊ ከካይድ እየ ኢሉ።ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤ ብወገኑ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለትን ቦታን ንኣኽረርትን ፅንፈኛታትን ዘውግዝ ሰልፊ ፀዊዑ’ሎ።ክልቲኦም ወገናት ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ምልዕዓል ይርከቡ።

ነቲ ሰልፊ ቀዲመ ዝፀዋዕናን ዘፍለጥናን ንሕና ኢና፤ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ካሊእ ሰልፊ ምህላው ኣይገለፀልናን ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት ንቪኦኤ ገሊፆም።ናይ ሰልፊ ሕቶ ኣብዘቕረብሉ እዋን መምሕዳ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ናይ ህንፀት ስራሕ እዩ ዝብል ከምዝነበረ ገሊፆም።ካሊእ መማረፂ እንተሃሊዩ ብደብዳቤ ንኽግለፀሎም ሓቲቶም ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ዝተፈለየ መልሲ ስለዘይተውሃቦም ከምዝተፈቐደሎም ብምቑፃር ምድላውና ቀፂላና ኣለና ኢሎም።

ምምሕዳ ኣዲስ ኣበባ ግን ምስእዚ ኣይሰማማዕን።ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባን ጉዳያት ካብኔትን ኣቶ ኣሰግድ ጌታቸው ሰልፊ ንምክያድ ቀዲሙ ዝሓተተ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤ እዩ ኢሎም።

ኣቶ ይልቃል ግን እቲ ሰልፊ ናይ ግድን ኣብዝሓዝናዮ ማዕልቲ ማለት እውን ሰንበት ክነካይዶ ኢና ኢሎም።’’ዋላ ሓደ ዘጠራጥር ነገር የብሉን።ክንደፍአሉ ኢና።’’

26 ነሓሰ ንሰማያዊ ፓርቲ ዝተውሃበ ናይ ሰልፊ ፍቓድ የለን ዝበሉ ኣቶ ኣሰጊድ ጌታቸው ነዚ ዝጥሕስ ኣካይዳ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ኣጠንቂቖም።’’ዘይተፈቐደ ሰልፊ ምክያድ ንዓርሱ ገበን እዩ።ስለዚ ዘይተፈቐደ ሰልፊ ዘካይድ ብዘሎ ሕግን መምርሕን ዝሕተቱ ክኾኑ እዮም።ንሕና ግን ፍቓድ ሂባን ዘለና ሃይማኖት መራሕቲ ንዝፀውዖዎ እዩ። ‘’

ነዚ ከተኣናግድ ዝኽእል ናይ ሓለዋይኹን ካልኦት ዘድሉ ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለው ኣቶ ኣሰግድ ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG