ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም'ዮም ይብል፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ይነጽግ


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም'ዮም ይብል፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ይነጽግ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:31 0:00

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም'ዮም ይብል፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ይነጽግ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ኣመሪካ ኣብ እዋን`ቲ ናይ ክልተ ዓመታት ጨካን ኲናት፡ ወተሃደራት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ሓይልታት ህወሓትን ኣምሓራን ገበናት ኲናት ፈጺሞም`ዮም ኣብ ዝብል ድምዳመ በጺሓ`ያ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየደ ብሊንከን፡ ብዛዕባ ምዕባለ`ቲ 3 ሕዳር 2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ታሕጓሱ ብምግላጽ፡ ተሓታትነት ክህሉ`ውን ብትሪ ጸዊዑ`ሎ።

ብሊንክን ኣተሓሒዙ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብሓይልታት ኢትዮጵያ ኤርትራን ኣምሓራን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ምፍጻሙ ፈሊጡ`ሎ ኢሉ፡ንህወሓት ግን ኣይጠቐሰን።

ኢትዮጵያ ነቲ ገበናት ኲናት ዝብል ብኣመሪካ ዝቐረባ ክሲ “ተባራዓይ መግለጺ” ክትብል ነጺጋቶ`ላ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኩናት ዝተፈጸመ ገበናት እተቕርቦ ክስታታ ርትዓዊ ኣይኮነን ክብል ከሲሱ።

ካብ ኤርትራ:ህወሓት ኮነ ክልል ኣምሓራ ዝተሰምዐ ሓዲሽ ግብረ-መልሲ የለን።

XS
SM
MD
LG