ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዛዕባ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዕጡቓት ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ


ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፍሉይ ወረዳ ማኦ-ኮሞ ጣቢያ ቨንሸባ ኣብ ልዕሊ ኢንቨስተራት ሕርሻ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ዕጡቓት ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዓፊኖም ከምዝወሰዱ፣ካልኦት ካብቲ ዓፈና ዘምለጡ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ድማ ኣብ ዱር ተሓቢኦም ከምዝርከቡ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ናይቲ ክልል ምምሕዳር መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ብምርግጋፅ ፈፀምቱ ናይ ኦነግ ኽዳንን ኣርማን ዝለበሱ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት እዮም ክብል ከሎ ኦነግ ግን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል መጥቓዕቲ ናይ ምፍፃም ዕላማ የብሉን፤ኣብቲ ከባቢ እውን ኣይንቀሳቐሰን ኢሉ’ሎ።

ብመሰረት ካብቲ መጥቓዕቲ ዘምለጡ መሰኻኽር ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት 7 ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ኣጋምሸት ዕጡቓት ብሃንደበት ንናይ ሕርሻ ማእኸል ብምውራር መጥቓዕቲ ምፍጻሞም ይገልጹ።

ሕግን መንግስትን ኣብዘየለሉ ሽመይ ምግላፀይ ኣፀጋሚ እዩ ዝበሉ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፍሉይ ወረዳ ማኦ-ኮሞ ጣቢያ ቨንሽባ ኣብ ኢንቨስመንት ሕርሻ ዝተዋፈረ ኢንቨስተር ሕርሽኡ "ወርዒ ልምዓት ሕርሻ’’ ከምዝብሃልን ካብ ከተማ ኣሶሳ ኣስታት 115 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ከምዝርከብ ይገልፅ።

ነቲ ኢንቨስተር፣ተሓቢኦም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ሕርሻ፣መግለፂ ሰበስልጣን ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣መልሲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝሓዘ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:23 0:00

XS
SM
MD
LG