ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንቅስቓስ ነፃነት ህዝቢ ቤንሻንጉልን ጉሙዝን ዝተባህሉ ክልተ ውድባት መንግስቲ ኣብ ልዕሌና ዓፈና ይፍጽሙ ኣሎ ክብሉ ይኸሱ


ቤንሻንጉልን ጉሙዝን
ቤንሻንጉልን ጉሙዝን

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝንቀሳቐሱ ንሰላምን ዴሞክራስን ከምኡ እውን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝን ዝተባህሉ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ናይቲ ክልል ገዛኢ ፓርቲን መንግስቲ እቲ ክልልን ኣብ ልዕሌና ዓፈና ይፍፅሙ ኣለው ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ሓላፊ ርክብ ምንቅስቓስ ነፃነት ህዝቢ ቤንሻንጉል ንሰላምን ዴሞክራስን ኣቶ ሃሩን ኣል-ሜዳ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣመራርሓን ደገፍቶምን ናይ ፈጠራ ኽሲ ብዝበሉዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዳይረክተር ዳይሮክተረት ርክብ ህዝቢ ኣቶ ደምሰው በንቲ ግን ጥርዓናት ምቕባሎም ብምግላፅ ብዝገበርናዮ ምፅራይ እቶም ዝቐረቡ ኽስታት ጭቡጥ መርትዖ የብሎም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG