ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ኢትዮጵያን ግብፅን ዝሓሸ ኣንፈት ሒዙ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም


ፓርላማ ኢትዮጵያ ንዝቕፅል በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ልዕሊ 178 ቢሊዮን ብር ኣፅዲቑ።ምስ ግብፂ ዘሎ ርክብ እውን ዝሓሸ ኣንፈት ሒዙ’ሎ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ።ናይ ሰለስቲአን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ስራሕ ከምዝጅምር እውን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ ኢሎም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብዘካየዶ ጉባኤ ናይ 2007 ዓ/ም ሃገራዊ በጀት 178 ቢሊዮን፣565 ሚሊዮን፣906 ሽሕን 574 ብር ክኸውን ኣፅዲቑ’ሎ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያ ካብ ወፃኢ ዝርከብ ኣታዊ ከምኡ’ውን ርክብ ኢትዮጵያን ግብፅን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ሓቲቶም።

ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሴን ምስ ግብፂ ዘሎ ርክብን ካብ ኣባላት ፓርላማ ቐሪቡሎም መልሲ ዝሃቡ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ መርገፂ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ዝተመስረት ዘይለዋወይ ምዃኑ ብምዝኽኻር ናይ ግብፂ መርገፂ ግን ከከም ናብ ስልጣን ዝመፁ መራሕቲ ከምዝለዋወጥ ሓቢሮም።ገሊኦም እውን ብግልፂ ንኢትዮጵያ ንምፍርርሓ ዝፈተኑ ከምዘለው ኣብ ቀረባ ብናይ ግብፂ ቴሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ፈነወ ብምጥቓስ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢኳተሪያል ግኒ ኣብዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝረኸቡዎም ንሓድሽ ፕሬዝዳንት ግብፂ ዓብድል ፈታሕ ኤ-ሲሲ ብዝመስል ኣቶ ሃይለማሪያም ‘’ሕዚ ናብ ስልጣን ዝመፁ ፕሬዝዳንትን መራሕትን ዝተዛረቡና ነገር ደጊም ሓድሽ ምዕራፍ ክንኸፍት ኢና፤ኣብ ሓድሽ ገፅ ክንፅሕፍ ኢና’’ክብሉ ምግላፆም ሓቢሮም።እቲ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ሓባር ተረባሕነት መሰረት ዝገበረን ክኸውን ብምስምምዖም ብታሕጓስ ተቐቢልናዮ ኣለና ኢሎም።

ኣብዚ እዋን እዚ እዘን ሃገራት ጭቡጥ ናብ ዝኾኑ ስራሕቲ ይጉዓዛ ኣለዋ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብምውሳኽ።

ነቲ ግድብ ኣብ እንሰርሐሉ እዋን ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ዘስዕቦ ቁጠባዊ፣ማሕበራውን ከባቢያዊ ተፅዕኖ ብዝምልከት ነዚ ገምጊሙ መፍትሒ ንከቐምጥ ዝተጣየሸ ስሉስ ኮሚቴ ስራሕ ንኽጅምር ብዝሓተትናዮ መሰረት ንሳቶም እውን ተሰማሚዖም ናብ ስራሕ ኣቲና ኣለና ክብሉ ገሊፆም።

ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብምውሳኽ ቅድም ክብል ብኽልቲኦም መንግስታት ዝተጣየሸ ኮሚሽን ግብፅን ኢትዮጵያን ዝተብሃለ ኣካል ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ይዘራረብ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ሎሚ ግን ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ እናተኣከበ ንቶም ፀገማት እናመርመረ ንክኸይድ ኩነታት ንምምችቻው ምስምምዖም እውን ገሊፆም።እንተኾነ ግን ኢሎም ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ እቲ ልዝብ ቀሊል ኣይኸውንን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG