ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ናይ 2006 ዓ/ም በጀት 152 ቢሊዮን ብር ንክኸውን ኣፅዲቑ


ትማሊ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ንምይይጥ ዝቐረበ ናይ 2006 ዓ/ም በጀት ሎማዕንቲ ሓሙስ ፀዲቑ’ሎ።መንግስቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ክልቅሖ ሒዙዎ ካብ ዘሎ ሸሞንተ ቢሊዮን ዝኸውን ብር ንክቕነስ ካብ ብሕታዊ ተቓዋሚ ኣባል ፓርልማ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ተቓውሞ ኣቕሪቦም ነይሮም።እቲ ዝቕነስ ገንዘብ ኣብ ፋብሪካ ንዝተዋፈሩ ሰብሃብቲ ክውሃብ ኣለዎ ብምባል።

መንግስቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ክልቃሕ ከሎ ምስ ዜጋታት ብምውድዳር ስለዝኸውን ዜጋታት ኣብ ኢንቨስትመንት ናይ ምስታፍ ዕድሎም ከንእሶ እዩ ኢሎም።’’ኣብ ሃገርና ዘላቒ ዕብየት ከይኮነስ ኣብ መንግስቲ ዝተንጠልጠለ ፅግዕተኛ ዕብየት ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።’’ኣብ ናይ ውልቂ ዘፈር ዝህሉ ፈጠራ እውን ስለዝድርት እቲ በጀት ክንኪ ኣለዎ ኢሎም።

ኣቶ ግርማ ካሊእ ክንከ ኣለዎ ዝበልዎ ንናይ ኢትዮጵያ ብዓል ስልጣን ብሮድግካስቲንግ ዝተመደብ በጀት እዩ።እቲ ቤት ፅሕፈት ዋላ ሓደ ናይ ውልቂ ቴለቪዥን ንኽህሊ ደገፍ ዘይሃበ ድኹም ተቛም ስለዝኾነ ክቕነስ ኣለዎ ክብሉ ሓቲቶም።

ኣብቲ ፓርላማ ተረኺቦም ንዝቐረቡ ሕቶታት ዝመለሱ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነቲ ሕቶ ምቕናስ በጀት ኣይተቐበሉዎምን።’’መንግስቲ ናይ በጀት ጉድለቱ ንምምላእ ካብ ባንክታት ዝልቅሖ ዝቕባበ ዋጋ ብዘልዕል ክሳብ ዘይኮነ፣ ንናይ ውልቂ ዘፈር ዝውሃብ ልቓሕ ሽግር ስለዘይብልና ናይ ምንሕናሕ ሕቶ ስለዘይህሊ እዚ በጀት እዚ ክፀድቕ ኣለዎ።’’
እቲ ፓርላማ ካብ ዘፅደቖ 154 ቢሊዮን ብር በጀት 2006 ዓ/ም 79.1 ሚእታዊ ካብ ውሽጢ ሃገር ብዝርከብ እቶት 20.9 ሚእታዊ ድማ ካብ ደገ ብልቓሕ ወይ ብሓገዝ ከምዝርከብ ተፈሊጡ’ሎ።

ብኻኢእ ዜና ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ 10 ኣባላት ካብኔት ኣቕሪቦም ፓርላማ ኣፅዲቑሎም ኣሎ።ምንስትራት ትምህርቲ፣ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስትን ፍትሕን ሓዊሱ 10 ኣባላት ካብኔት ተሸይሞም ኣለው።ብኣቶ ደመቀ መኮነን ተታሒዙ ንዝነበረ ትምህርቲ ምንስቴር ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ፣ብኣቶ በረኸት ስምኦን ተታሒዙ ዝነበረ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ብኣቶ ሬድዋን ሑሴን፣ሓላፊ ምንስቴር ፍትሒ ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ፣ዋና ዳይረክተር ብዓልስልጣን እቶትን ጉምርክን ኣቶ በከር ሻሌን ካብ ዝተሸሙ ገሊኦም እዮም።

ናይ ትምህርቲ ምንስቴርን ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ኮይኖም ንኽቕፅሉን ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ዝነበሩ ኣቶ በረኸት ስምኦን ድማ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምንስቴ ኮይኖም ክሰርሑን ተሸይሞም ኣለው።ቅድም ክብል ምንስቴር ፍትሒ ዝነበሩ ኣቶ ብርሃነ ሃይሉ ካብ ስልጣኖም ምልዓሎምን ዋና ዳይረክተር እቶትን ጉምሩክን ዝነበሩ ኣቶ መላኩ ፈንታ ድማ ብኽሲ ግዕዝይና ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡን ይዝከር።
XS
SM
MD
LG