ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ደሕንነት ከምዘሻቀሎም ስድራቤቶም ይገልጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋሽ ኣርባ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝተኣሳሰር ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ 53 ሰባት ደሕንነት ከም ዘሻቀሎም ስድራቤት ገሊፆም።

በዓል- ቤተን ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝርከቡ ሰባት ሓደ ከምዝኾኑ ዝገለፃ ሓላፊት ቤት-ፅሕፈት ፓርቲ ባልደራስ ወ/ሮ ቀለም ስዩም ናብ ኣዋሽ ድሕሪ ምቕያሮም ረኺበንኦም ከም ዘይፈልጣን እቲ ቦታ ልዑል ሙቐት ከምዘለዎምን ንእሱራት መጽንሒ ተባሂሉ ዝተዳለወ ብዘይምዃኑ ደሕንነት በዓል ቤተን ንዕኤንን ደቆምን ከምዘጨንቆም ተዛሪበን’ለዋ።

እቶም እሱራት ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ምስ ፖሊስ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቀዳም ድሕሪ ምግላፁ’ውን ከምዘይረኸበኦም ወ/ሮ ቀለም ወሲኸን ገሊፀን’ለዋ።

ንደሕንነቶም ብምስጋእ ብድምፂ ርእይትኦም ክህቡ ዘይደልዩ ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ስግኣቶም ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊሎም’ለዉ።

ላዕለዋይ ዳይሬክተር ክፍሊ ምርመራን ክትትልን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ሚዛኔ ኣባተ ንኩነታት ምትግባር ምርኻብ እቶም እሱራት ምስ ስድራቤቶም ዝምልከት ምስ ፖሊስ ዝተገብረ ምርድዳእ ከምዝከታተል ገሊፁ።

ንጉዳይ እዞም እሱራት ብዝምልከት ምላሽ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብዞም ጉዳዮም ዝተገለጸ እሱራት ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ምዱብ ኣብ ዘይኮነ መጽንሒ እሱራትዝርከቡ እሱራትን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ኩነታት ይከታተል ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG