ዋሽንግተን ዲሲ —
South – South Award ተባሂሉ ዝፍለጥን ንመለንየማዊ ሸቶታት ንዘዐወታ ሃገራት ዝሽልምን ትካል ሕቡራት ሃገራት፣ንኢትዮጵያን ካልኦት ሽድሽተ ሃገራትን ሸሊሙ።
ኢትዮጵያ ንሽልማት South – South ዝተቀበለት፣ ኣብ ምዕዋት መለንየማዊ ሸቶታት ብዘመዝገበቶም ዓወታት’ዩ። እቲ ሽልማት ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ’ዮም ተቀቢሎምዎ።
ድሕሪ’ቲ ሽልማት ኣብ ኒውዮርክ ሪኢቶ ዝሃቡ ኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘እቲ ሽልማት ኣብ ትግባረ መደባት ዘላቂ ምዕባለ ዓቅሚ ዝፈጥርን ዘተባብዕን’ዩ’ ኢሎም።
‘ኢትዮጵያ፣ኣብ’ዚ መደብ’ዚ ንዝተነጸሩ ሸቶታት South – South ንምዕዋት ተጊሃ ክትነጥፍ’ያ’ ነቶም መደባት ካብ ዘዐወታ ሃገራት ተሞኪራ፣ ብንቅሓት ክትሰርሓሎም’ያ። ንድኽነት ንምቅባጽን ዘላቂ ምዕባለ ንምርግጋጽን፣ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና’ ኢሎም ኣቶ ኃይለማርያም።
ኣብ ዝቅጽላ 15 ዓመታት ዝትግበር መደባት ዘላቂ ምዕባለ፣ ቁጽሪ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታትን ብፍርቂ ንምንካይ ዝዓለመ’ዩ።