ንድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቀቲሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 2 ሰባት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጠቕላሊ ዓቃቢሕጊ ኣፍሊጡ።
ክልተ ካብ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ሳልሳዮም ይድለ ከምዘሎ ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ኣዳነች ኣበበ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፀን።ኦነግ ሸኔ ካብ ዝተባህለ ክንፊ ተልእኾ ተዋሂቡዎም ነቲ ቕትለት ከምዝፈጸምዎ ንሃጫሉ ቶኵሱ ቀቲሉ ዝተባህለ ውልቀሰብ ቃሉ ንፖሊስ ከምዝሃበ እውን ወሲኸን ሓቢረን ኣለዋ።
ፍሉጥ፣ተፈታውን ናይ ነፃነት ተቓላሳይን ንዝኾነ መንእሰይ ዝቐተለን ኣብቲ ቅትለት ተሓባባራይ ዝኾነን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው ዝበላ ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ኣዳነች ኣበበ ዒበን ‘’እቲ ቀንዲ ተኳሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ኣቶ ጥላሁን ያሚ ዝተብሃለ እዩ።ካልኣይ ምስኡ ተሓባባሪ ዝኾነ ኣቶ ኣብዲ ኣለማየሁ እዩ። ሳልሳይ ድማ ከበደ ገመቹ ይብሃል። ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ክኾኑ ከለው ከበደ ገመቹ ግን ንግዚኡ ስለዝተሰወረ ይድለ እዩዘሎ ’’ ኢለን።
ዝቐተልሉ ምኽኒያት ክገልፃ ከለዋ ድማ "ቀንዲ ቶኳሲ ዝኾነ ጥላሁን ያሚ ዝተባህለ ሰብ ንምንታይ ንሃጫሉ ምቕታል ከምዘድልየ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን እቲ ተልእኾ ካብ ኦነግ ሸኔ ከምዝኾነ ኣብ ወርሒ ሰነ ደጋጊሞም ረኺቦም ከምዘእመኑዎ፣ ሃጫሉ ምዃኑ ብዝርዝር ዘይተገለፀሎም እንተኾነ እውን ብዙሓት ዝቕተሉ ሰባት ከምዘለው ነዚ ምፍፃም ዘድለየሉ እውን ህዝቢ ኦሮሞ ንክሓልፈሉ ከምዝኾነ ከምኡ'ውን እዚ መንግስቲ ብምድኻሙ ከምዚ እንተድኣ ዘይተፈፂሙ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኽእል ከምዘእመኑዎን ከምዝጠቕሙዎን ዝገለፅሉ ምዃኖም ንፖሊስ ቃሉ ሂቡ እዩ’’ ኢለን።
ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ኣራርሳ መርዳሳ ኣብ ቀረባ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ክንፊ ኣብ በረኻ ተሪፉ ዝዋጋእ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ከተማ'ውን ሽብር ይፈጥር ዘሎ ‘’ኦነግ ሸኔ’’ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ድማ ንባዕሎም ‘’ኣባ ቶርቤ’’ ኢሎም ዝፅውዑ ናብ ከተማ እናኣተው ሓደጋ ዘውርዱ እውን ኣለው ኢሎም።ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውከት ክሳብ ሕጂ 177 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ገሊፁ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ ንሰባት ብምቕታል፣ኣካል ብምጉዳልን ንብረት ብምዕናውን ተጠርጢሮም ካብ ዝተኣሰሩ 4,700 ሰባት ብተወሳኺ ነቲ መጥቓዕቲ ኣብ ክንዲ ምክልኻል ከምዘይርኣዩ ብምሕላፍ እቲ ጉድኣት ክጋደድ ምኽኒያት እዮም ዝተባህሉ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትው ከምዘለው ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም ኣለው።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡን ንብረቶም ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቓፀሎም ዝዛረቡን ግን "ዝበፅሐልናን ዝሪአናን ስኢና’' ይብሉ ኣለው።
ብዝተተሓሓዘ ዜና ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ ብዕስለ መጥቓዕትታት ምፍፃሞም ምርግጋፁ ገሊፁ።ናይ መንግስቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ከይተረፉ ብዕስለ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ ከምዘለው ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ ኣሎ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልወሲኹ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኦሮሚያ ግን ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ዝተቐትሉ ከምዘለው መሰኻኽር ነጊሮምኒ ኣለው ኢሉ ኣሎ ።