ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክወስድ ኤርትራ ፀዊዓ


Eritrea-Ethiopia-Border
Eritrea-Ethiopia-Border

ኢትዮጵያ ብወገና ፡'መንግስቲ ኤርትራ መንገዲ ሰላም ጥራሕ'ዩ ዘዋፃኦ' ትብል

ሚንስተር ኮሚንኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ”መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝተፈፀመ ወትሃደራዊ ስርሒት ብግልፂ‘ዩ ኣቅሪብዎ።ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ ብፈጠርቲ ራዕዲ ኣቢሉ ዝካየድ መጥቃዕቲ ተቀቢልና ክንሓድር ኣይንኽእልን ኢና።ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ተመጣጣናይ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።በዚ ኣቢልና‘ውን ሰላምን ህድኣትን ኢትዮዽያ ክነኽብር ኢና” ኢሎም።

ንሶም ኣስዒቦም ”እቲ ነገር ናብ ዘየድሊ ነገር ንከይኸይድን ከይረሳሰንን፣
እቲ ሓላፍነት ኣብ ርእሲ መንግስቲ ኢሳያስ‘ዩ ዘሎ፣መንግስቲ ኢሳያስ ኢዱ ክእክብ ኣለዎ።ኤርትራ ናይ ፈጠርቲ ራዕዲ መዐለሚ፣መዕጠቂን መዋፈሪን ክትከውን የብላን።እንተቀፂላ ግና ኢትዮዽያ ተመጣጣናይ ስጉምቲ ንክትወስድ መሰላ‘ዩ” ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ምንስትሪ ወፃኢ ኤርትራ፣ደይረክተር ቤት ፅሕፈት ምንስቴር ኣቶ ፀሃዬ ፋሲል ብዛዕባ‘ቲ ጉዳይ ተሓቲቶም ክዛረቡ ከለው
”እቲ ወያነ ዝገብሮ ዘሎ ተኹታዂ ፍፃመታት፣ንዓና ሓድሽ ነገር ኣይኮነን።
በቢ እዋኑ ክገብሮ ዝፀንሐ ስለዝኾነ።ዝተሰነደ ነገር‘ውን‘ዩ።ነዚ ካኣ መንግስቲ ኤርትራ ከዋዓወዖን ክዛረበሉን ኣይደልን‘ዩ።ምኽንያቱ ነቲ ገቢትዎ ዘሎ ሉኣላዊ መርየት ኤርትራ፣ከምጉልባብ ክጥቀመሉ ስለዝደለየ፣ኤርትራ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ከምዓብዪ ጉዳይ ኣልዒላ፣ተብሎ ነገር ኣይኮነን ይብሉ።

ኣቶ ፋሲል ኣብ ዘረበኦም”መንግስቲ ኣሜሪካን ፈረንሳን ምዕራብ ብሓፈሻ፣ ወያነ ወሪረ ኣለኹ፣ኣጣቂዔ‘ለኹ እናበለ ከሎ፣ኣብ ክንዲ ንወያነ ዘጠንቅቁን ስጉምቲ ዝወስዱን፣ከም‘ቲ ናይ ቀደም ሙዚቃ ክልቲኹም ወገናት ተቆጠቡ ዝባሃል ኣዘራርባ ግጉይ‘ዩ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG