ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዓለም ውድድር ኣትሌትክስ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ዝርዝር ወግዓዊ ጌሩ


ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዓለም ውድድር ኣትሌትክስ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ዝርዝር ወግዓዊ ጌሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:25 0:00

ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዓለም ውድድር ኣትሌትክስ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ዝርዝር ወግዓዊ ጌሩ

ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ኣትሌትክስ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ዝርዝር ወግዓዊ ጌሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ ዝምራሕ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ሪዮ ኦሎምፒክስ ዝሓሸ ውጽኢት ከምዘምጽእ’ውን ተማባጺዑ’ሎ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ነሓሰ 4,2017 ዓ.ም ዝጅመር ዓለምለኸ ውድድር ኣትሌቲክስት ኣትሌታት ዝለዓለ ደረጃ ክረኽቡ ትምነ።

ኣቐዲሙ ኢትዮጵያን ጎረቤታ ኬንያን ተዓወቲ ውድድር ጉያ ነዊሕ ርሕቐት እንተነበሩ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን ሽዱሽተ ኣትሌታት እታ ሃገር ኣብ ምርመራ ዶፒንግ ከምዝነበሩ’ውን ይፍለጥ።

ስለ ዝኾነ ዋላ’ኳ ብሓድሽ ክብረ ይኹን ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ደቂ ኣንስትዮ 10.000 ሜትር ውድድር ጥራይ ኢትዮጵያ ሓደ ወርቂ ምርኻባ ይዝከር።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግን ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓወት ንምምላስ ድልዋት ምኳኖም ይገልጹ።

ኣብ ናይ 2013 ዓ.ም ናይ 800 ሜትር ውድድር ጉያ ደቂ ተባዕትዮ ሻምፕዮን ኣትሌት መሃመድ ኣማን

“ካብ ኦሎምፒክስ ቀጺሉ ዝዓበየ ውድድር ዓለምለኸ ውድድር ኣትሌትክስ’ዩ። በአካል ኮነ ብኣእምሮ ብቑዕ ኾይነ ብምምራጸይ ድማ ንእግዚአብሄር የመስግን። ብዙሕ ልምምድ ከካይድ ጸኒሓ’የ ሕጂ ንምጅማር እቲ ውድድር ጥራይ እየ ዝጽበይ።”

አሰልጠንቲ’ውን ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ምጽንሖም ይሕብሩ።

አስልጣኒ ማእኸላይ ርሕቀት ተወዳደርቲ ንጉሴ ጊቻሞ

“ለይትን ቀትርን ኣብ ስራሕ ኢና። ነቲ ምምሕዳር ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ሰብ ሞያ፡ ንአትሌታት፡ ንካልኦት ዝምልከቶም አካላትን ብደቂቅ ንከታተል አለና። ሓላፍነት አለና ስለዚ ንኽእሎ ኩሉ ንገብር አለና ስለዚ ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ሒዝና ክንመጽእ ይምነ።”

ፕረዝደንት ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ

“ከምቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመታት ዝነበረ ኢትዮጵያዊያን ከም ሓደ ጋንታ’ዮም ዝወዳደሩ ዝነብሩ ነዚ ክንመልሶ ንጽዕር አለና። ንሱ እዩ ከአ ዘድልየና ብርግጽ ብዙሕ ልምምድን ልምምድ ብሓባር’ውን የድልይ’ዩ።”

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ውድድር መሰናክል ብዘይምምራጹ አሰልጣንኒኡ ዝሃረመ ጫላ ባዮ ንክልተ ዓመታት አብ ውድድር ከይሳተፍ ምቕጽኡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሰብ ሞያ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ሪዮ ትሑት ውጺኢት ዘምጽእሉ ምክንያት ብሰንኪ እኹል ዘይኾነ ምድላው ካብ ኣትሌታትን አሰልጠንቲን እዩ ክብል ይነቕፉ።

XS
SM
MD
LG