ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ምዃና ንጻዕሪ ኤርትራ ይሓላልኾ’ዶ?


ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሳዕቤኑን
ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሳዕቤኑን

መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ቀረባ ናብ መራሕቲ ሃገራት ደብዳቤ ጽሒፎም ‘ዘይሕጋዊ ዝበልዎ እገዳ ንክላዓልን ኢትዮጵያ ሒዛቶ ንዘላ ንኤርትራ ዝተዋሃበ መርየት ንክተርክብን’ ድፍኢት ንክግበር ከምዝጸውዑ ዝዝከር’ዩ።

ኤርትራዊ ኣቶ ኣማኑኤል በእደማርያም ‘ፕረዚደንት ኢሳያስ ንሕ/መ ኣማእኪሉ ዝላኣኾ ደብዳቤ ደጊም ይኣክል፣ ንኤርትራ ንምኽሓስ ጊዚኡ’ዩ’ ካብ ዝብል ተበጊሱ ይመስለኒ’ ይብል።

ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኣሉላ ሰለሞን ብወገኑ ‘ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ብዝተመርጸ ቁጽሪ፣ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከይገበረ ተመሳሳሊ ደብዳቤ ናይ ምልኣኽ ባህሪ ከምዘለዎን ዕላምኡ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ጎና ወጊና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣርን’ዩ’ ባሃላይ’ዩ።

ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ምዃና ንጻዕሪ ኤርትራ ክሓላልኾ’ዶ ይኽእል? ኣብ ዝብል ሕቶ ክልቲኦም ኣጋይሽ ዝተፈላለየ መርገጺ ኣለዎም።

ሓላፍነትን ተግባርን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ፣ ስልጣን ቀወምቲን ዘይቀወምቲን ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ ዝምልከት መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ቀጸልቲ መደባትና ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:17 0:00

XS
SM
MD
LG