ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪነ-ጥበባዊያን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ መገሻ ፈፂሞም


ደደቢት
ደደቢት

ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ግድል ህወሓት፡ልዕሊ ሚእቲ ውሩያት ኪነ-ጥበባዊያን ኢትዮጵያ ኣብ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ግድል ህወሓት ወሰንቲ ንዝነበሩ ታሪካዊ ስፍራታት ከምዝራኣዩ ተገሊጹ።

ሓደ ካብ'ቶም ኣሰናዳእቲን ኣባል'ቲ ዑደትን ዝነበረ ኪነ-ጥበባዊ ኪሮስ ሃ/ስላሴ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዛዛመ ዑደት ኣብ ደደቢት፡ደጀናን ሃገረ-ሰላምን ከምዝበጽሑን ካብ ፈለምቲ'ቲ ዕጥቃዊ ግድል ዝኾኑ ኣቶ ኣባይ ፀሃየን ኣቶ ስዩም መስፍንን ከምኡውን ካብ ኣቶ ስብሓት ነጋን መብርሂ ከምዝረኸቡን ሓቢሩ።

ኣብ መቐለ ምስ በፅሑ ምስ ኣቦ-መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ኣቶ ኣባይ ወልዱ ተራኺቦም ክዝምተመያየጡ ኣቶ ኪሮስ ገሊፁ።እቶም ኪነ-ጥበባዊያን ኣብ እዋን ዑደቶም ዝመስክረዎ 'ንምእማን ዘፀግም' ታሪክ ህወሓት ኣብ'ዚ እዋን'ዚ 'ብተካእቲ' ብሕልፊ ኣብ ምሕደራ ኣዲሳበባን ካልኦት ከተማታትን ዘይምድጋሙ ክረምዘገረመሎም'ውን ንኣቶ ኣባይ ወልዱ ጠቂሶምሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:34 0:00

XS
SM
MD
LG