ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ 'ን34 ብልሽዋት ሰበ ስልጣንን ነገድቲን ከምዝኣሰረት' ገሊጻ


Dr. Negeri Lencho
Dr. Negeri Lencho

‘ብብልሽውና ንዝጠርጠሮም ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን፣ ደለልቲን ነጋዶን ከምዝኣሰረ’ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቪኦኤ ዘዘራረቢም ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን’ታ ሃገር ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ‘ከምውጽኢት ዓሚቕ ተሃድሶ፣ ካብ ላዕለዋይ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ክሳብ ክልል እቲ ገምጋም ከምዝቀጸለን ናብ ምውሳድ ስጉምቲ ከምዝተበጽሐን’ ገሊጾም።

ዶ/ር ነገሬ ኣብ መግለጺኦም ‘ካብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት ኣኻሊ መርተዖታትን ጭብጥታትን ድሕሪ ምርካብ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሰባት ናይ ምእሳር ስጉምቲ ተወሲዱ’ሎ’ ኢሎም። በዝሒ እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት 34 ከምዝኾኑ’ውን ጠቂሶም።

በዝሒ እቶም ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ሰበ-ስልጣን፣ ደለልቲን ነጋዶን እናወሰኸ ክኸይድ ከምዝኽእል’ውን ሚኒስትር ኮምኒኬሽን ዶ/ር ነገሬ ሌንጮ ገሊጾም ይብል ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG