ኣብ`ዚ ዳሕራዋይ ስጉምቲ፡ ልዕሊ 200 ሰባት ብጸጥታ መንግስቲ ከምዝተኣስሩ ዝገልጹ ናይ`ዚ እዋን ኣቦ መንበር መድረክ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ሃለዋት ናይ ገሊኦም ንቤተሰብ ከምዘሻቐለ ይገልጹ።
“ ነቲ ቋንቋ ዝዛረብን ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣባል ዘይኮነን ዝኾነ ይኹን ወገን ተጠርጢሩ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ክውሰድ ይኽእል`ዩ” ዝበሉ ምኽትል ኣቦ-መንበር ኦሮሞ ፈደራሊስት ኣቶ በቀለ ገርባ ብወገኖም፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ ገለ ሚእቲ ዝኾኑ ኣባላትና ተኣሲሮምና ኣለዉ ኢሎም።
ወሃቢ ቓል ምምሕዳር ኽሊ ኦሮምያ ኣቶ መስፍን ኣሰፋ ግና፡ ንፖሊቲካዊ ምኽንያት ብምንጻግ መንግስቲ ንፖሊቲካዊ መሰል ህዝቢ የኽብር`ዩ ኢሎም።
ሻቕሎት መንግስቲ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ኻብ ዘርእዩ ምልክታት ሓደ፡ ንፈነወ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ብኸፊል ምዕፋን`ዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ፡ ኣብ`ቲ ኻልእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣብዮት ገና ንገና ናባይ`ውን ክመጽእ ይኽእል`ዩ ካብ ዝብል ስግኣት`ዩ ኢሎም።