ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ተረርቲ ነቐፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም


ብመሰረት ሓዲሽ ሕጊ ጸረ-ሽበራ ናይ ዝእሰሩ ዘለዎ መቐጸልታ፡ ነባር ጋዜጠኛን፡ ፍሉጥ ፖሊቲከኛን ዝርከብዎም 5ተ ሰባት ትማሊ ረቡዕ ማእከላዊ መርመራ ኣቲዮም ኣለዉ

ጋዜጠኛ እስንክንድር ነጋን ኣባል ፈጻሚ ውድብ መድረኽ ኣንዱኣለም ኣራጌን`ዮም እቶም ክልተ። ብድምር 5ተ ሰባት`ዮም በቲ ዝቕጽል ዘሎ ግፋ ተጠርጠርቲ ሽበራ ተኣሲሮም።

ክልቲኦም ምስ ግንቦት-7 ብዘለዎም ምትእስሳር`ዮም ተኣሲሮም ኢሎም ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ሽመልስ ከማል።

ኣቶ ኣንዱኣለም ቅድሚ ምእሳሮም ኣብ ዝተዛረብዎ “ኣብ መንግስቲ ኣይሳተፍን እንተኢልካ ንጽባሒቱ ሽብርተኛ ዝብል ሽም ይልጠፈካ፡ እዚ ስርዓት`ዚ ካብ 2005 ምርጫ ጀሚሩ ንልብን ኣእምሮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክረክብ ፈጺሙ ከምዘይክእል ኣዳዕዲዑ ተገንዚቡ`ሎ። ስለዚ ተሪፍዎ ዘሎ፡ ይቃወምና`ዩ ንዝበልዎ፡ ሓሶት እናመሃዝካ ምእሳር`ዩ” ኢሎም ኔሮም።

ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኣቶ ሽመልስ ብወገኖም፡ “ተቓዋሚ ኣረኣእያ ስለዝሓዘ ዝእሰር ሰብ የለን፡ ኣብ ምልእቲ ሃገር ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍንዉ ስለዝኣለሙ`ዮም ተኣሲሮም” ኢሎም።

ንብምልኡ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG