ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብዪ ብዛዕባ ትግራይ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ዘቕረቡዎ ፀብፃብን ካልኦትን


ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቶም ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት ኣይወረደን።እቲ ሰራዊት ብሓላፍነትን ተሓታትነትን መንፈስ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ሎማዕኒ ሶኑይ ኣብዝሃዎ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መፈንቅለ መንግስቲ ንክ ውሰድ ሎሚ ጉጀል ተባሂሉ ይፅዋዕ ዘሎ ህወሓት ተተሊሙ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ መብርሂኦም ኣብታ ሃገር ካብ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ጀሚሩ ግጭታት፣ ቅትለታት፣ምምዝባልን ስደትን እዚ ጉጅለ እዚ ዝተለሞ፣ዘዋደዶን ዘካየዶን እዩ ኢሎም።እዚ ናይ ሎሚ ከይሓወሰ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር 133 ግጭታት ከምዝተኻየዱ ገሊፆም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ናይ ሰላማዊያን ሰባት ህወይት ዘድሓነን ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ዕላምኡ ዝወቕዐን እዩ ኢሎም።ካብ ሑመራ ክሳብ መቐለ ኣብ ኩለን ከተማታት ዝለዓለ ጥንቃቐ ተገይሩ ሓይሊ ምክልኻል ዋላ ንሓደ ሰብ እውን ኣይቀተለን ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ሎማዕንቲ ሶኑይ ህፁፅ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀውዕሉን መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤእ ትማሊ ሰንበት ንሮይተርስ ኣብ ዝልኣኹዎ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ሓይልታት ትግራይ ንነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ ወቒዖም ከምዘውደቑን ንሓንቲ ከተማ ካብ ሓይልታትፌደራል ከም ዝመንጠሉን ገሊፆም።

ብዛዕባ እቲ ዝተብሃለ ካብ መንግስቲ ወይ ወታደራዊ ሓይሊ ሪኢቶ ኣይተውሃበን።

ምስ እዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ቀዳም ለይቲ ሽዱሽተ ፍንጀራታት ከምዝተሰምዑ ገሊፁ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ዘካየዶ መጥቓዕቲ ብዓወት ምዝዛሙ ምስ ኣወጁ ድሕሪ ስዓታት እዩ እቲ ፍንጀራ ዝስማዕ ዘሎ።ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዋና ከተማ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ተቖፃፂሩዎ ኣሎ ኢሎም ኣብ መግለፂኦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሆስፒታላት መቐለ ንዝቖሰሉ ንምሕካም ቀረባት ሕክምና ይዝፅንቀቖም ከምዘሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።

ብመሰረት ICRC 80 ሚታዊ ይሕከሙ ዘለው ብጉድኣት ኣካል ይሳቐዩ ዘለው እዮም።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ICRC ሓላፊት ኦፕረሽን ማሪያ ሶለዳድ ‘’ሆስፒታላት ናይ ኣልባሳስት፣ኣንቲባዮቲክ፣ ፀረቓንዛ መድሓኒታት፣ናይ ኢድ ጓንት ከይተረፈ ብሓደገኛ ኩነታት የንቆልቁል ኣሎ’’ኢለን።

ብመሰረት ገለ ፀብፃባት እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ\ህወሓት\ተስፋ ከምዘይቆረፁ ንሮይተርስ ገሊፆም።

መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፅሑፍ ኣብ ዝልኣኹዎ መልእኽቲ ‘’ናይዞም ወረርቲ ጭካነ ክሳብ መወዳእታ ንኽንዋግኦም ምውሳንና ድልውነትና ዝውስኽ ጥራሕ እዩ’' ኢሎም።ሓይሎም ምውግኡ ክቕፅለሉ እንተኾይኑ ብሮይተርስ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ‘’ብርግፀኝነት እወ።እዚ ብዛዕባ ምውሳን መሰል ዓረሰ ውሳነና እዩ’’ ኢሎም።

ቅድሚ ክብል ዶክተር ደብረፅዮን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣስታት ሓሙሽተ ምእቲ ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ ኣብቲ መወዳእታ ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ናይ መወዳእታ መጥቓዕቲ ብከቢድ እናተደብደበት ምዃና ገሊፆም።

ብደረጃ ምንስቴር ሓላፊ ጉዳያት ዴሞክራታይዜሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግጭት ክንደይ ሰብ ከምዝሞተ ገና ኣይፈለጠን ኢሎም።

ናይ ፀጥታ ሓደጋ ከምዘይህሊ ምስ ኣረጋገፅና ኣብ ውሽጢ ማዕልታት ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቲ ክፍቀድ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት መግሃስቲ ተፈፂሞም እዮም ንዝብሉ ክስታት ምርመራ ክካየድ ዝፈቕዱ እንተኾይኖም ተሓቲቶም ኣቶ ዛዲግ ክምልሱ ከለው ‘’እንሓብኦ የብልናን።ሓደ ዝተኣታተውናዮ ለውጢ ግልፅነት እዩ።ግን ከክም ኩነታቱ እዩ ዝምስረት''ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፖፕ ፍራንሲስ ‘’ዕጥቓዊ ግጭት ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝካየደላን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥማ ንዘሎ ኢትዮጵያ ኩሉ ክፅልየላ ዓዲመኩም ኣለኹ’'ኢሎም ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ።

ኣብ ኣፍሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቲቦር ናዥ ብወገኖም ’’ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ውግእን ደብዳብን ዝለዓለ ስኽፍታ ፈጥሪልና ኣሎ፤እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብልን ኣብ ትግራይ ሰላም ክዓስልን ነተሓሳስብ’' ኢሎም።

ልዕሊ 43,000 ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ሓዊሱ ናብ ሓደ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣሎ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ህይወት ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ምቐለ ብምሕባር ብዛዕባ ዝስዕብ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦ ዝሓፈ ዓርቢ ገሊፁ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኖም ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎም፣ሰብኣዊ መሰላት ክሕለውን ምእታው ክፍቀድን ኣስሚሮምሉ ኣለው ብመሰረት ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ፋርሃን ሓቅ።

XS
SM
MD
LG