ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ንሓፂር እዋን ክኣቱ ከምዝኽእል ተሓቢሩ


ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓለፈ ማዕቀብ ንመንግስቲ'ምበር ንህዝቢ ኣይሃስን'ውን ተባሂሉ

ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ክኣቱ ከምዝኽእል ሓደ ላዕለዋይ ባዓል-ስልጣን ኢትዮዽያ ኣፋፍኖት ሂቦም።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ማዕቀብ፣ነቲ መንግስቲ‘ምበር ንህዝቢ ከምዘይሃሲ ጠቂሶም።

ምክትል ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ ሎሚ ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ትኹረት ዝሃብሉ ኢትዮዽያን ጎረባብቲ ሃገራትን ብሕልፊ መንግስቲ ኤርትራ ይፍፅሞ ኣሎ ንዝበልዎ ተግባር ህውከትን ከምኡ‘ውን መልሰ-ግብሪ ጎረባብቲ ሃገራትን ቤት ምኽሪ ፀጥታን‘ዩ።

ኣምባሳደር ብርሃነ ኣብ ዘረበኦም፣መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዞባ ይህውኽ ከምዘሎ ካብ‘ቲ ቃፊር ሕ/መ ኣብ‘ዚ ቀረባ ዘቅረቦ ልዕሊ 4 ሚእቲ ገፅ ዝሓዘ ሪፖርት ክፍለጥ ተኻኢሉ‘ዩ ኢሎም።

ቃፊር ሕ/መ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ክውሰድ ኣለዎም ዝበሎም ስጉምቲታት ከምዝሓቆፈ‘ውን ጠቂሶም’ዮም ኣምባሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ማዕቀብ ቁጠባ፣ኣፅዋርን ምንቅስቃስ ፖለቲካዊ መራሕቲን ኣብ መፅናዕቲ ዝተመርኮሰ‘ዩ ኢሎም።
እቲ ማዕቀብ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይሃስን‘ውን ይብሉ ኣቶ ብርሃነ።

ኣምባሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ ዝተዛረቡሉ ካልእ ኣርእስቲ ጉዳይ ሶማልያ‘ዩ። ሶማልያ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ዝተሓላለኸ ፀገም ዘለዋ ሃገር‘ያ፣ግን ምምሕያሽ ኣሎ፣ኣል-ሸባብ ግና ይዳኸም‘ሎ ይብሉ ንሶም።ኣብ‘ዚ ቀረባ መራሕቲ ኢጋድ ንዘሕለፍዎ ውሳነ‘ውን ኣዘኻኺሮም።

ኢትዮዽያ እምንቲ ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን‘ያ ዝበሉ ምንስቲር ድኤታ ኢትዮዽያ ኣቶ ብርሃነ ገ/ክርስቶስ ዓቅማ ክንዲ ዘፍቀደ ሓገዝ ክትገብር ምኻና ጠቂሶም።እንተኾነ ዓይነት‘ቲ ኢትዮዽያ ትልግሶ ሓገዝ ምስ ኢጋድ፣ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያን ይምከረሉ‘ሎ ኣሎ ኢሎም።

ኣስዒቦም ”ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ንክኣቱ እንተኾይኑ እቲ ዕድመ ክንኣቱ ኢና።ኣቲና ግና ነዊሕ ኣይንፀንሕን” ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብሕ/መ ዝሓለፈ ማዕቀብ ብፅኑዕ ከምዘውገዞ ዝዝከር‘ዩ።እቲ ስጉምቲ ንኩነታት‘ቲ ዞባ ኣብ ክንዲ ዘማሓይሽ ከምዘጋድዶ‘ውን ኣጠንቂቁ‘ዩ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG