ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማልያ ምስ ኣሚሶም(ዓቃቢ-ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን) ዝወፈረ ሰራዊት ኢትዮዽያ ሎሚ ንዋና ከተማ ዞባ ባኮል ሕዱር ተቆፃፂሩ።

ኣብ ሶማልያ ኣምባሳደር ኢትዮዽያ ኣቶ ወንድሙ ኣሳምነው ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ንከተማ ረብድሑር ትማሊ ዝተቆፃፀረ ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ ርእሰ-ከተማ‘ቲ ዞባ ሕዱር ሎሚ ኣትዮ‘ሎ ኢሎም።

ኣብ እዋን ምስጓም ናብ ሕዱር እቲ ሰራዊት ካብ ኣል-ሸባብ ዘጓነፎ ምክልኻል ከምዘይነበረ‘ውን ኣቶ ወንድሙ ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG