ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ኣርሲ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 36 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሺርካ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 36 ሰለማውያን ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ ነበርቲ ገሊጾም። ንድሕነቶም ብምስጋእ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝገለጽዎ ካብ መንጎ `ቶም ዝሞቱ እቶም 10 ካብ ሓደ ቤተሰብ ከምዝኾኑን እቲ መጥቃዕቲ መንነት ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ`ውን ይጠቅሱ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ዕጡቕ ሓይሊ`ዩ ኢሉ።

መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ዝብሎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ብወሃቢ ቓሉ ኦዳ ተርቢ ጌሩ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንሕና ንህዝቢ ፈሊና ኣይነጥቅዕን ኢና፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝምስክሮ ካልእ `ዩ ብምባል፡ እኳ ደኣ ፡ባዕላቶም ንዝፈጸምዎ እዮም ናባና ዘላግብዎ ዘለዉ ክብል ንመንግስቲ ከሲሱ`ሎ።

ኣብዚ ሰዓት`ዚ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ሓለዋ ይገብሩ ከም ዘለዉ እቲ ወሃቢ ቓል ኦሮምያ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG