ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዋና ኣመሓዳሪ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ


ኣቶ ጌታቸው ረዳ -ፋይል
ኣቶ ጌታቸው ረዳ -ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንወሃቢ ቓል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዋና ኣመሓዳሪ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክኸውን ሸይሙ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ዕላዊ ዝገበሮ ሹመት ኣቶ ጌታቸው፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ክወጽእ ብብዝሒ ድምጺ ድሕሪ ምውሳኑ`ዩ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዋና ኣመሓዳሪ ንኹሉ ዝሓቁፍ ምምሕዳር ክምስርት ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦ ጠቒሱ`ሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ተቓወምቲ ፓርትታት እቲ ክግበር ዝጸንሐ መስርሕ ንፓርቲታት ፖለቲካን ንኻልኦትን ዘግለለን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጠሓሰን ኣሰራርሓ`ዩ ብምባል ክቃወምዎ ጸኒሖም`ዮም።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንምምስራት፡ ኣብቲ ኽልል ካብ ህወሓት ካብ ሓይልታት ትግራይን ካብ ምሁራትን ትሸኦኣተ ኣባላት ዘለዎ ኮሚቴ ዝሓለፈ ወርሒ ምቋሙ ይዝከር። ኣብቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝሳተፉ ፓርትታትን ትካላትን ዝውክልዎም ሰባት መሪጾም`ዮም። ህወሓት ድማ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ሕጹይ ጌሩ መሪጹ። ኣብቲ ጉዳይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝርርብ ብምክያድ፡ ናብ ተግባር ከምዝእቶ ቅድሚ ሎሚ ኣመራርሓ`ቲ ኮሚቴ ግዝያዊ ምምሕዳር ገሊጾም ኔሮም `ዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ምውጽኡ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ተቓዊምዎ`ሎ። ኢዜማ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግቡእ ይትግበር ምህላዉ ኣብ ሕቶ ምልክት ብምእታው፡ ህወሓት ነቲ ስምምዕ ኣይኽበረን ኢሉ።

ብወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ናብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቀረበ ሪፖርት ግና ህወሓት፣ ዕጡቃቱ ናብ ካምፕ ከምዘእተወን ኣጽዋሩ ንሰራዊት ምክልኻል ከምዘረከበን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG