ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህውከት ክልል ኦሮምያ ተግባር ተልእኾ ሽበራ ዝተሓንገጡ ሓይልታት'ዩ ይብል ግብረ-ሓይሊ ጸረ-ሽበራ ኢትዮጵያ


ተልእኾ ሽበራ ዝተሓንገጡ ሓይልታት ዝበሎም አካላት አብ ልዕሊ ንብረት መንግስቲን ውልቀ-ሰባትን ዕንወት ካብ ምውራድ ሓሊፎም ኣባላት ፖሊስን መከላኸሊ ሓይሊ ቀቲሎም ክብል ናይ ኢትዮጵያ ግብረ ሓይሊ ጸረ-ሽበራ ዝተባህለ አካል አፍሊጡ።

እቲ ግብሪ ሓይሊ ጸረ- ሽበራ ትማሊ ምሸት ብመንግስታዊ ቴሌቭዥን አብ ዘመሓላልፎ መግለጺ አብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጥረ ህውከት አብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል እቲ ሕብረተሰብ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዝገብሮ ዘሎ ዝበሎ ጻዕሪ ብዝበለጸ ክቕጽሎ'ውን ተላብዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG