ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 203 ሚሊዮን ብር ዝግመት መሬት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተታሒዙ ተባሂሉ


افزایش کمک های امدادی ایالات متحده به قحطی زدگان اتیوپی
افزایش کمک های امدادی ایالات متحده به قحطی زدگان اتیوپی
ኮምሽን ፀረ ግዕዝይና ፌደራል ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 203 ሚሊዮን ብር ዝግመት መሬት መንግስቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ብውሑዳት ውልቀ ሰባት ሃብትነት ምትሓዙ ኣፍሊጡ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ብዘይኣግባብ ስልጣን ብምጥቓም ልዕሊ 400 ሚሊዮን ብር ኣታዊ መንግስቲ ከምዘይተኣከበ ምፅራዩ እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ፌደራል መንግስቲ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይና ኣቶ ዓሊ ሱለይማን ናይ 10 ኣዋርሕ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቤት ፅሕፈቶም ሎማዕንቲ ሰሉስ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣብግዕዝይና፣ምክልኻል ብልሹው ኣስራርሓ፣ምምርማርን ምኽሳስን ገበን ግዕዝይና እቲ ኮምሽን ካብ ዝሰርሖም ገሊኦም እዮም ኢሎም።

ኣብ ምምሕዳር መሬት ብዛዕባ ዝተፈፀመ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ብውልቀ ሰባት ሃብትነት ዝተትሓዘ ግምት መሬት መንግስቲ 203 ሚሊዮን 549 ሽሕን 144ን ብር ምዃኑ ሪፖርቶም የመልክት።
ናይ ሓሰት ሰነድ ዋንነት መሬት ብምድላውን ሕጋዊ ስርዓት ንዘየማልኡ ሰባት መሬት መንግስቲ ብዘይኣግባብ ብምሃብ ኣብ ሰለስተ ምርመራታት ኣብ ልዕሊ 14 ተጠርጠርቲ ምፅራይ ተኻይዱ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ምቕራቡ ሓቢሮም።ኣስዒቦም ‘’ኣብዚ ናይ ምርመራ ስራሕ ብዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት 155 ሽሕን 208 ትርብዒት መሬት መንግስቲ ብዘይኣግባብ ብውልቀ ሰባት ዝተትሓዘ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ’’ኢሎም።

ግብሪ ብዝምልከት ብቐንድነት ዝተጠቐሱ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ እናተርኣየ ዝርከቡ ናይ ቀደም ሓላፍትን ሰራሕተኛታትን ብዓል ስልጣን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ጉምርክን ከምኡ እውን ውሑዳት ነጋዶን እዮም።

180 ጉዳያት ምፅራይ ተኻይዱ ኽሲ ዝቐረበ እንትኸውን ኣብ ካልኦት 10 ጉዳያት ግን ሕዚ እውን እቲ ምርመራ ከምዝቐፀለ እቶም ኮሚሽነር ሓቢሮም።ስልጣን ብዘይኣግባብ ብምጥቃም ዝለዓለ ገንዘብ መንግስቲ ኣይተኣከበን ዝበሉ ንሶም ንኣሰራርሓ ብምጥሓስን ዘይሕጋዊ ኮሚቴ ብምጥያሽን ቅድም ክብል ዝተወሰነን ኮሚቴ ሰማዒ ጥርዓን ንዘፅደቖን ግብሪ ብምስራዝ ሓለፍቲ ብቐጥታ ንኦዲተራት እናኣዘዙ ግብሪ ንኽንኪ ብምግባር፣ኣብ ልዕሊ 21 ኸፈልቲ ግብሪ ዝተወሰነ 452 ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊዮን ብር ኣታዊ መንግስቲ ንኸይእከብ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ 22 ተኸሰስቲ ምርመራ ተኻይዱ 18 ኽስታት ተመስሪቶም ኣለው ኢሎም።

ዝተጋገየ ሰነድ ብምቕራብ፣ታክሲ ብምስዋር፣ካብ ግብሪ ነፃ ኮይኖም ዝኣተው ኣቑሑት ንዘይተፈቐደ ዕላም ብምውዓልን ቐረፅ ዘይምኽፋልን ብዙሕ ኣታዊ ከምዝተስኣነ ይሕብሩ ኣቶ ሱለይማን።

ሓደ ሓደ ተቓወምቲ መንግስቲ ሎሚ እውን ንግዕዝይና ገና ኣይተንከፎን ክብሉ የማርሩ።ኮሚሽነር ዓሊ ሱሌይማን ብወገኖም ግዕዝይና ብሓደ ውቅዒት ምቕታል ከምዘይክኣልን ከይዲ ምዃኑን ይዛረቡ።
XS
SM
MD
LG