ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ንዝተኣሰሩ ሰባት ፖለቲካዊ ትርጉ ዝህብዎ እንተሃሊዮም ተጋጊዮም ይብሉ ኮምሽነር ፀረ-ግዕዝይና


埃塞俄比亚地理位置图
埃塞俄比亚地理位置图
ዝለዓሉ ሰበስልጣን መንግስትን ፍሉጣት ነጋዶን ሎም ቅነ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ንዝውዓሉ ፖለቲካዊ ትርጉም ዝህቡ ተጋጊዮም ክብሉ ናይ ፌደራል ናይ ስነምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኮምሽን ኮምሽነር ኣቶ ዓሊ ሱለይማን ንቪኦኤ ገሊፆም።

ብምንስቴር ማዕረገ ዋና ዳይረክተር ብዓልመዚ እትቶን ግምሩክን ኣቶ መላኩ ፋንታ፣ምኽትሎም ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስን ካልኦት ሓለፍትን ከምኡ’ውን ፍሉጣት ነጋዶ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ኣብዚ ሎም ቅነ ነይሩ።

ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኢህወዴግን መንግስትን ዝነበሩ ኣቶ ስየ ኣብርሃ ቅድሚ 12 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብዝውዕሉ በዚ ደረጃ ዘለው ሰባት ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ክእሰሩ እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ መረዳእታ ከተኣኻኽብ ዝፀንሐን ኸሳስን ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌደራል እዩ።ኮሚሽነር ዓሊ ሱሌይማን ሰበስልጣን መንግስቲ ብግዕዝይና ክኸስሱ እዚ ንፈለማ እዋን ከምዝየኮነ ኣዘኻኺሮም።እዚ ናይ ሎሚ ኽትትል እውን ውፅኢት ናይ ነዊሕ እዋን መፅናዕቲ እዩ ኢሎም።

ትኹረት እቲ ኮሚሽን እንትገልፁ ‘’ኣብ ትካላት ኣከብቲ እቶት፣ኣብ ህንፀት ዓበይቲ መሰረተ ልምዓት ዝካየዱ ኮንትራት፣ኣብ ምምሕዳር መሬትን ዓብየቲ ዕድጊትን ምስ ፍትሒ ተኣሳሲሩ ዝተፈልየ ትኹረት ሂብና ብመደብ ክንቀሳቐስ ፀኒሕና ኢና።’’

ካብ ሓምየትን ሓበሬታን ተላዒልካ ስጉምቲ ምውሳድ ግቡእ ኣይኮነን ዝበሉ ኣቶ ዓሊ ጥፍኣት ተፈፂሙ እንተኾይኑ ብዝግባእ ከየፃረኻን ከየረጋግፅኻን ንሰባት ካብ ስልጣኖም ምልዓል መሃራይ እዩ ዝብል እምነት የብልናን ኢሎም።

እዚ ኣካይዳ እዚ ንተጠጠርቲ ጥራሕ ከይኮነስ ካሊእ ኣብ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዝርከብ፣ኣብ ናይ ውልቂ ንግዲ ዝተዋፈረ ብዓል ሃብቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ተግባር ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዘሕትት ምዃኑ፣ኣትራፊ ዘይምዃኑ መልእኽቲ ብዘመሓላልፍ ኣገባብ ክፍፀም ኣለዎ ኢሎም።

ቓልሲ ፀረ ግዕዝይና ውፅኢታዊ ንክኸውን እንተተደልዩ ናይመንግስቲ ድልየት ኣድላዪ ምዃኑን ናይቲ ኮምሽን ነፃነት ኣብ ምርግጋፅን እኹል በጀትን ሓይልን ብምምዳብን ክግለፅ ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰበስልጣን ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ወይ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ናይ ዝተፈጠረ ምስሕሓስብ ውፅኢት እንተኾይኑ ተሓቲቶም ‘’ተጋጊዮም፤እዚ ምስ ፖለቲካ ዘራኽብ የብሉን፤እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክርአ ከሎ፣ ብመርትዖታት ክንፀሩ ስለዝኽእሉን ሎሚ’ውን እናተርኣየ ስለዝኾነን ርክብ የብሉን’’ ክብሉ መሊሶም።ንቕድሚት እውን ተመሳሳሊ ስራሕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።
እቶም ተጠርጠርቲ ጉዳዮም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክርአ ምጅማሩ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG