ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ፓርቲ ሓድነት ናይ 6 ዓመት ስትራተጂ ኣፅዲቁ


አቶ ስዬ አብርሃ
አቶ ስዬ አብርሃ

ኢትዮጵያ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንክትረክብ ፓርቲ ሓድነት ክሰርሕ'ዩ'ውን ኢሎም

ናይ ፓርቲ ሓድነት ኣደ-መንበር ወ/ሪት ብርቱኻን ሚደቅሳ ድሕሪ ዘሕለፈቶ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ንዕረፍቲ ምቑማታ ምኽኑይ ምኻኑ ኣቶ ስየ ኣብራሃ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካ ኣብ ምዕራይ ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታትን ዝምልከቶም ዜጋታትን ንምዝርራብ መደብ ከምዘሎ'ውን ሓቢሮም።

ምክትል ሊቀ መንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ፓርቲ ሓድነት ንፍትሕን ዴሞክራስን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣቶ ስየ ኣብራሃ ኣንድነት ኣብ ዝቅፅሉ 5 ዓመታት ዝፍፀሞም ባዓል 6 ነጥብታት ስትራተጂ ከምዘፅደቀ ገሊፆም'ዮም።

ኣቶ ስየ ኣብራሃ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ከምዝገለፅዎ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተተኺሉ ዘሎ ስርዓት ነታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅዋ'ሎ።ኣብ ማዕበል ዝተናወፀት መርከብ ምስጣማ ከምዘይተርፋ፣ ኢትዮጵያ'ውን ተመሳሳሊ ዕፃ ንከይገጥማ ኣማራፂ ፓርቲ ምጥንኻር ንስርሕ ኣለና፣ኢድና ኣጠሚርና ኣይንርእን ይብሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ'ቲ ዞባ ወሳናይን ማእከላይን ስፍራ ዝሓዘት፣ብተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ዝተዓደለት ስለዝኾነት ንናይ'ቲ ዞባ ሃገራት እውን ክትረብሕ ትኽእል'ያ።ኢትዮጵያ ትኣክል ዓባይ ሃገር ብዘይ ወደብ ምትራፋ ግቡእ ስለዘይኮነ ብእንካን ሃባን ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንክትውንን ሰላማዊ ቃልሲ ክንገብር ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG