ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሱዳን መዘነኦም ኢብራሂም ካንዱር ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካርቱም ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ናይ ሱዳን መዘነኦም ኢብራሂም ጋንዱር ተራኺቦም ምዝርራቦም ተገሊጹ።

ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ካርቱም ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር “ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ጉዳይ ስግኣት ሃገር ኣይተዘራረብናን ግን ንጸጥታ ሃገርና ዘስግኡ ወገናት ከምዘለው ሓበሬታ ኣለና” ዝበሉ ክኮኑ ከለው ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኖም ብዛዕባ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ከምዚ ኢሎም።

“ እቲ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር ክልቲኣዊ ዝምድና ንምቅጻል ዝዓለመ እዩ። ብዙሕ ክልቲኣዊ ጉዳያት ኣለና። ቁጠባዊ፡ፖለቲካዊን ማሕበራዊ ጉዳያትን ስለዚ ቀዳማይ ሚንስትር ነዞም ክልቲኣዊ ዝምድና ንምምሕያሽ እዮም እዮም ናብኡ ከይዶም ምስዚ ድማ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን” ኢሎም።

ግብጺ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብይ ናይ ህዳሴ ግድብ ናብ ግብጺ ዝፍስስ ትሕዝቶ ማይ ፈለግ ኒል የጉልድ እዩ ክትብል ከላ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ትነጽግ።

እዞም ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ማእከል ዘንቆልቁል ዘሎ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ምስ ግብጺ ከምዝተራኸቡ ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG