ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታዬ ኣጽቀስላሴ
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታዬ ኣጽቀስላሴ

ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘቅረቡ ወከልቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዘለዎም ምስሕሓብ ናብ ዓለምለኸ መድረኽ ኣብጺሖምዎ።

ቀ/ሚ ሶማልያ ሃምዛ ኣብዲ ባሬ ኢትዮጱያ ምስ ርእሰ ምምሕዻር ሶማሊላንድ ውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ምፍራማ፣ ንሃገሮም ከቢድ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ጠቂሶም። እቲ ውዕል’ቲ ንሉአላዊነት ሶማልያ ብግልጺ ዝግህስ እዩ’ውን ኢሎም።

ቀ/ሚ ኣብዲ ባሬ ወሲኾም "ብመንጽር’ዞም ግህሰታት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎኒ ሶማልያ ክኸውን ክትኮን ንጽውዕ። ንመትከላት ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብር’ውን ንምሕጸን" ኢሎም።

ንሶም ኣብ መደረኦም ተግባር ኢትዮጵያ ንምንቅስቃስ ተነጸልቲ ሓይልታት ዘዕብይ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታዬ ኣጽቀስላሴ ብወገኖም ሃገሮም ምስ ሶማሊላንድ ንዝኸተመቶ ውዕል ተኸላኺሎም።

"ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ማያዊ ስግኣት ሒዛ፣ ኢትዮጵያም ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪን ውቅያኖስ ህንዲን፣ ውሑስን ድሕነቱ ኣብ ዝተረጋገጸ ሃዋሁ እያ ትምርኮስ።"

ኣቶ ታዬ ወሲኾም ምስ ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ሓባራዊ ምርድዳእ፣ ብመሰረት’ቲ ኣብ ሶማልያ ማዕቢሉ ዘሎ ፖለቲካ ዝተኸትመ እዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ‘ዕላማና፣ ሓባራዊ ዕብየትን ምዕባለን’ቲ ዞባ ምርግጋጽ እዩ። ተመሳሳሊ ውዕል ምስ ካልኦት ሃገራት’ውን ስለዝተኸትመ፣ መንግስቲ ሶማልያ ጸልኢ ምፍጣር ኣየድልዮን ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG