ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሶማልያዊያን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ይወስዳ’ለዋ ተባሂሉ


ኬንያን ኢትዮጵያን ብኣል-ሸባብ ዝፍፀም መጥቓዕትታት ስግር ዶብ መጥቓዕትታት ደው ንምባል ኣብ ዝገብርዎ ፃዕርታት ኣብ ልዕሊ ሶማሊያዊያን ስቪላት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ይወስዳ’ለዋ ክብል ኣብ ሶማል ይሰርሓ ካብ ዘለዋ ትካላት ረድኤት ሓደ ዝሰነዶ ውሽጣዊ ፀብፃብ ገሊፁ።

እዚ ብድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ሶማል ዝተረኸብ ፀብፃብ ከምዝሓበሮ ኬንያ ካብ ሰነ 2015 ዓ.ም ጀሚራ ኣብ ሶማል ዞባ ጌዶ እንስሳት ብምርባሕ ኣብ ልዕሊ ዝናበሩ ማሕበረሰባት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ደብዳብ ነፈርቲ ምፍፃማ ይገልፅ።እቲ ፀብፃብ ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ሓለዋ እንስሳ-ዘገዳም ኬንያ ብሃበ ተረኽበ ንሰባት ይኣስሩን ይቐትሉን ይብል ።

እቲ ፀብፃብ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ከምዝገለፆ ‘ልዩ ፖሊስ’ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ሓይሊ ኣብ ዶብ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዝሰፈሩ ሰበኽ ሳግም ህዝቢ ካብ መነባብርኦም ከምዝመዛበሉን ፆታዊ ዓመፅ ከምዝፈፀሙን ይግለፅ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ኮሎኔል ጆሴፍ ኦዎት ኬንያ ተጥቅዕ ዘላ ንዒላማታት አል-ሸባብ እያ ክብሉ ነቲ ክስታት ነፂጎምዎ ኣለው።ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን፤ይኹን እምበር ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ፕረዝዳንት ዓብዲ መሓሙድ ዑመር ቅድም ክብል ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ነቶም ክስታት ነፂጎምዎ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG